1. ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻንእልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪይብል እግዚኣብሄር

2-3. ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተርኣግማድኪ ኣንውሒመታኽልኪውን ኣጽንዒ

4-5. ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ።

6. ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓትእግዚኣብሄር ጸውዓኪይብል ኣምላኽኪ

7. ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ።

8. ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ

9. እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ።

10. ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልንኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር

11. ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ

12. ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ።

13. ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ።

14. ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ።

15. እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም።

16. እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ።

17. ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄርጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።