1. በታ ታርታን ናይ ኣሽዶድ ዝመጻላ ዓመትሳርጎን ንጉስ ኣሶር ምስ ለኣኾ እሞ ንኣሽዶድ ተዋጊኡ ምስ ሓዛ

2. በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄርብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ

3. እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ኪኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ

4. ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትንጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምንስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኺወስዶም እዩ።

5. ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶምኪስምብዱን ኪሐፍሩን እዮም።

6. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብሩእንሆትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሀደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና፧ ኪብሉ እዮም።