1. ብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተተንቂቐ ኽርእስ፣ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ።

2-3. እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾኢሉ መለሰለይ

4. እንሆ፣ ነፍሱ ተነፊሓ ኣብኣውን ዘይቅንዕቲ እያ። ጻድቕ ግና ብእምነቱ ይነብር

5. ወይኒ ኸኣ መጋገዪ እዩ፡ እቲ ዕቡይ ሰብ ኣብ ስፍራኡ ኣይሀድእን፡ ነፍሱ ኸም ሲኦም የግፍህ፡ ከም ሞት እዩ እሞ ኣይጸግብን፡ ንዅላቶም ኣህዛብ ናብኡ ይእክቦም፡ ንዅላቶም ህዝብታት ከኣ ናብኡ ይአኻኽቦም

6. እዚኣቶም ኵላቶም፣ እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፣ ኣብ ረእሱ ኸኣ ዕርቡን ዚጸውር ወይለኡ፣ ክሳዕ መኣዝከ እዩ፡ እናበሉ ብምስላን ብምሳሌ ጸርፍንዶ ኣየልዕልዎን እዮም፡

7. እቶም ዚነኽሱኻዶ ብድንገት ኣይትንስኡን፡ እቶም ዚንዝንዙኻስ ኣይነቕሁንዶ እዮም፡ ንስካውን ዘመቲኦም ክትከውን ኢካ።

8. ንስኻ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝብታት ድማ ኵላቶም ንኣኻ ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓመጻን ኪዘምቱኻ እዮም።

9-11. እምኒ ካብ መንደቕ ኬእዊ፣ እቲ መጋጥሚ ድማ ካብ ዕጨይቲ ኺመልሰሉ እዩ እሞ፣ እቲ ንቤቱ ልዕል ኬብል፣ ካብ ኢድ መዓት ከኣ ኪድሕን ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዚሀርፍ ወይለኡንብዙሓት ህዝብታት ብምጥፋእካ ንቤትካ ነውሪ መኸርካላንነፍስኻውን ሓጣእካ

12-14. ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባህሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ እቲ ንኸተማ ብደም ዚሀንጽ፡ ንዓዲ ኸኣ ብኣበሳ ዜጽንዕ ወይለኡ። እንሆ፡ ህዝብታት ንሓዊ ዚጽዕሩኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ ጐይታ ሰራዊትዶ ኣይኰነን፧

15-17. ብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓምጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝዐመጽካያም እቲ ንእንስሳታት ዜስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ኬጐልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ። ንስካ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ክትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋዕ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ክብርኻ ድማ ነውራም ትፋእ ኪዀነካ እዩ።

18. እቲ ቐራጺኡ ዚቐርጾ ቕሩጽ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፧ እቲ ዓያዪ ዓባስ ጣኦታት ገይሩ ብዕዮኡ ዚእመንከ እቲ ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትን እንታይ ይጠቅም፧

19. እቲ ንዕጨይቲንቓሕንዓባስ እምኒ ኸኣ፡ ተንስእዚብል ወይለኡ። ንሱዶ ይምህር እዩ፧ እንሆ፡ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ልቡጥ እዩ፡ ኣብ ውሽጡ ኸኣ ገለ እስትንፋስ የብሉን።

20. ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ መቕደሱ እዩ፣ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል።