1. ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብሺግዮኖት

2. እግዚኣብሄር፣ እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ፣ ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር

3. እግዚኣብሄር ካብ ቴማን፣ እቲ ቅዱስ ከኣ ካብ ከረን ፋራን መጸሴላክብረቱ ሰማያት ከደነ፣ ምድሪ ድማ ብምስጋናኡ መልኤት

4. ምንጽብራቑ ኸም ብርሃን ነበረ፣ ካብ ኢዱ ጩራታት ወጸ፣ ሓይሉውን ኣብኡ ተሐብኤ

5. ቀቅድሚኡ ፌራ ኸደረስኒ ድማ እግረ እግሩ ወጸ

6. ደው በለ፣ ንምድሪውን ለክዓጠመተነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም፣ እቶም ዘለኣለማውያን ኣኽራን ፈረሱ፣ እቶም ጥንታውያን ኵርባታት ድማ ለጠቕ በሉ፣ መገድታቱ ካብ ዝለኣለም እዩ።

7. ድንኳናት ኢትዮጵያ ኺጭነቑ ኸለዉ ርኤኽዎምመጋረጃታት ሃገር ሚድያን ኣንፈጥፈጡ

8. እግዚኣብሄርዶ ንርባታት ተቘጢዕዎ እዩ፧ በፍራስካ፡ ብናይ ምድሓን ሰረገላታትካ እትኸይድሲኵራኻዶ ኣብ ልዕሊ ርባታት፡ ቍጥዓኻስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪዶ ዀይኑ እዩ፧

9. ከምቲ ብቓልካ ዝመሐልካዮ፣ ኢድካ ኣውጺእካ ነቶም ነገድ ቀስትካ ገተርካሎም። ሴላንምድሪ ሰንጢቕካ ርባታት ኣውጻእካ።

10. እቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡሞገድ ማያት ሐለፈመዓሙቝ ድምጺ ኣስምዔኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ

11. ጸሓይን ወርሕን ኣብ ስፍራኤን ቈማብብርሃን ፍላጻታትካን ብምንጽብራቕ ማሕማሕ ዚብል ኵናትካን ከዱ

12. ንምድሪ ብዅራ ሐለፍካያነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም

13. ንስኻ ንምድሓን ህዝብኻን ንምድሓን ቅቡእካን ወጻእካ፡ ነቲ መሰረት ክሳዕ ክሳድ ቀሊዕካርእሲ ቤት ረሲእ ጨፍለቕካሴላ

14. ንርእሲ ሓላቑኡ ብገዛእ ኵናቶም ወጋእካዮ። ንሳቶም ከም ህቦብላ ኪብትኑኒ መጹ፣ ሓጐሶም ከምቲ ነቲ መስኪን ብሕቡእ ዚውሕጥ ነበረ።

15. ንስኻ በፍራስካ ንባሕሪ፣ ነቲ ዅምራ ዓበይቲ ማያት ረገጽካዮ

16. ሰማዕኩከብደይ ከኣ ኣንቀጥቀጠከናፍረይ በቲ ድምጺ ኣምፈጥፈጠቍንቍነ ኣብ ኣዕጽምተይ ኣተወ። በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ዚገጥመሉ ኽሳዕ ዚመጽእ ትም ኢለ ኽጽበስ ክሳዕ ታሕተይ ኣንቀጥቀጥኩ

17. ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልምግርሁ ምግቢ ኣይኩህቡን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን።

18. ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሀነይ እልል ክብል እየ።

19. እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ

Chap 2