1. ኣነ ኸምቲ ፍረ ቀውዒ ምስ ተቐንጠበን፣ ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፣ ዚብላኦ ዘለላ ዜብለይ ኰይነ እየ እሞ፣ ወይለይ፣ እታ ነፍሰይ እተትምነየታ በዅሪ ፍረ በለስ እኳ የላን።
2. ጻድቕ ካብ ምድሪ ጠፍኤ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኵላቶም ንደም የድብዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሀድኖ።
3. ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ፡ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ፡ ይብል፡ ፈራዲ ኸኣ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጕንጕኑ።
4. እቲ ካባታቶም ዝሔሸ ኸም ተዀርባ እዩ፡ እቲ ዝቐንዔ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ፡ እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፡ እታ መዓትካ፡ መጸት፡ ሕጂ ኺሽበሩ እዮም።
5-6. ወዲ ነቦኡ ይንዕቖ፣ ጓል ኣብ ልዕሊ ኣዲኣ፣ መርዓት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓማት ይለዐላ፣ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ዀይኖም እዮም እሞ፣ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፣ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፣ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ።
7. ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።
8. ኣቲ ጸላኢተይ፣ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፣ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውን፣ እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፣ ብኣይ ኣይትተሐጐሲ።
9. ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፣ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚህዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዜውጽኣለይ፣ ንቝጥዓኡ ክጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣ ጽድቁውን ክርኢ እየ።
10. ሽዑ እታ፣ ኣበይ አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፣ ዝበለትሚ ጸላኢተይ ክትርእዮን ሓፍረት ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ኪርእያእ እየን፣ ሕጂ ኸም ጭቓ መገዲ ኽትርገጽ እያ።
11. እታ መከበብያኺ እትስርሕላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዶብ ኪርሕቕ እዩ።
12. በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ኣሶርን ካብ ከተማታት ግብጽን፡ ካብ ግብጺ ድማ ክሳኦ እቲ ርባ፡ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ከረንውን ክሳኦ ከረን ናባኺ ኺመጹ እዮም።
13. እታ ሃገር ግና ንምኽንያት እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ብሰሪ ፍረ ግብሮምን ክትባድም እያ።
14. ንህዝብካ፣ ነታ ኣብ ዱር፣ ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ ንበይና እትነብር ዘላ መጓሰ ርስትካ ብበትርኻ ጓሲ። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዩ።
15. ከምቲ ካብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልታት፣ ተኣምራት ከርእዮም እየ።
16. ኣህዛብ ኪርእዩ፣ ብሓይሎም ዘበለ ዅሉውን ኪሐንኩ እዮም። ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩ፣ ኣእዛኖም ኪጸሙ እዮም።
17. ከም ተመን ሓመድ ኪልሕሱ፣ ከም ለመምታ ምድሪ እናንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ኪወጹ፣ ራዕራዕ እናበሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺመጹ፣ ንኣኻውን ኪፈርሁ እዮም።
18. ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሐድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፣ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን።
19. መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ።
20. ንቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፣ ሓቂ ንያእቆብ፣ ምሕረት ከኣ ንኣብርሃም ክትገብርረሎም ኢኻ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...