1. ኣቲ ጓል ጭፍራ፣ ጭፍራኺ ኣክቢ፣ ብኽቢ ይኸቡና፣ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።
2. ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሃት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።
3. ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣህሊፉ ኺህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣህዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ኪምለሱ እዮም።
4. ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹም ኪቐውምን ኪጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፣ ንሳቶም ኪነብሩ እዮም።
5. ንሱ ሰላም ኪኽውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ኣዳራሽና ኸኣ ምስ ረገጸ፣ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ ምሳፍንቲ ሰብን ኣንጻር ኽነተንስኣሉ ኢና።
6. ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፣ ንሃገር ኒምሮድ ከኣ ኣብ ደጌታታ ኼጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፣ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፣ ካብቲ ኣሶራዊ ኼናግፈና እዩ።
7. እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፣ ብደቂ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይገብር፣ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፣ ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ኪኸውን እዩ።
8. እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር፣ ከም ሽደን ኣብ ማእከል መጓሰ ኣባጊዕ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኺሐልፍ ከሎ፣ ይረጋግጽን ይሰላልዕን፡ ዜናግፍ ድማ የልቦን።
9. ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፡ ኵሎም ጻላእትኻውን ይጽነቱ።
10. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ነፍራስካ ካብ መእከልካ ኸጥፍኦም፣ ንሰረገላታትካ ኸኣ ክሰባብሮ እየ።
11. ንኸተማታት ሃገርካ ኸጥፍኤን፣ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ።
12. ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፣ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይኪህልዉካን እዮም።
13. ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድርሕዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ኣይክትሰግደሉን ኢኻ።
14. ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኽምንቍሰን፣ ንኸተማታትካ ኸኣ ከፍርሰን እየ።
15. ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...