100 results found for
ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ።
Tools | Contexእቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንልኡኻት ይፍታሕ፡ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንእኣ ብፍቕሪ ይምለሰለይ፡ በሎም።
Tools | Contexሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን ንዳዊት ኪቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ኣብ ዳዊት ብዙሕ ፍቕሪ ነበሮ።
Tools | Contexዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።
Tools | Contexንሱ ድማ፡ አታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፡ ኣይትነግረንንዶ፡ በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም እየ፡ በሎ።
Tools | Contexድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልአ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልአ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ፡ ኪዲ፡ በላ።
Tools | Contexካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ።
Tools | Contexጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።
Tools | Contexካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ።
Tools | Contexፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
Tools | Contexካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ።
Tools | Contexጻድቃንን ጥበበኛታትን ምስናይ ተግባሮም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ከም ዝኾኑ፡ ነዚ ዅሉ ምእንቲ ኽዕዘብ፡ ንልበይ ኣቕናዕክዎ። ሰብሲ ፍቕሪ ወይስ ጽልኢ ኣይፈልጥን፡ ኵሉ ኣብ ቅድሚኦም እዩ።
Tools | Contexናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡ ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ።
Tools | Contexብፍቕሪ ሐሚመ እየ እሞ፡ ብጐጎ ዘቢብ ኣጽንዑኒ፡ ብምልዖ ደግፉኒ።
Tools | Contexኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።
Tools | Contexኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተየንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ ብሜዳቚን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን አሎኹ።
Tools | Contexኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦ፡ ብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን አሎኹ።
Tools | Contexናይ ፍቕሪ ትርንጒ መኣዛኡ ይህብ። ኣታ ፍትወይ፡ ንኣኻ ኢለ ዝዐቘርክዎ፡ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን ክብር ፍረ ኣብ ደጌታትና አሎ።
Tools | Contexኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡ ከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን አሎኹ።
Tools | Contexፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንአታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።
Tools | Contexንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡ ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም።
Tools | Contexኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ጨድር፡ ፍቕሪ ንእስነትክን፡ መርዓት ከሎኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንንን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን ከም ዝሰዐብክኒ፡ እዝክረልኪ አሎኹ።
Tools | Contexእግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ።
Tools | Contexከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባካ ይመጹ፣ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፣ ቃላትካውን ይሰምዑ አለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ አለዉ፣ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ።
Tools | Contexእምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፣ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፣ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ አለዉ፣ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።
Tools | Contexኣነ ብገመድ ሰብ፣ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሐብክዎም፣ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዜልዕል ኰንክዎም፣ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።
Tools | Contexዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።
Tools | Contexኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።
Tools | Contexነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።
Tools | Contexሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።
Tools | Contexእታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።
Tools | Contexኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዚብሀል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣአንገደና።
Tools | Contexደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡
Tools | Contexበቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Tools | Contexካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
Tools | Contexሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና
Tools |
Contex
ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ኪኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም አሎኹ። ብዛዕባቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ። ንፍቕሪ ስዓብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር። እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን። ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከአሎን እዩ። ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ። ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ። እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዅሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን። ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዓዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነምስግኖ ግቡእና እዩ። እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን። ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ። ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ። ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ። ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ Tools |
Contex
ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹም። ኣሜን። ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ። እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።
ሮሜ 12:9
ሮሜ 12:10
ሮሜ 14:15
ሮሜ 15:30-32
1ይ ቈረንቶስ 8:1
1ይ ቈረንቶስ 13:2
1ይ ቈረንቶስ 13:3
1ይ ቈረንቶስ 13:4
1ይ ቈረንቶስ 13:8
1ይ ቈረንቶስ 13:13
1ይ ቈረንቶስ 14:1
1ይ ቈረንቶስ 16:14
2ይ ቈረንቶስ 5:13-14
2ይ ቈረንቶስ 6:6
2ይ ቈረንቶስ 13:13
ገላትያ 5:6
ገላትያ 5:13
ገላትያ 5:22
ኤፌሶን 1:4
ኤፌሶን 3:17
ኤፌሶን 3:19
ኤፌሶን 4:2
ኤፌሶን 4:15
ኤፌሶን 4:16
ኤፌሶን 5:2
ፊልጲ 1:16
ፊልጲ 2:1
ፊልጲ 2:2
ቈሎሴ 3:14
1ይ ተሰሎንቄ 3:12-13
1ይ ተሰሎንቄ 4:9
1ይ ተሰሎንቄ 5:13
2ይ ተሰሎንቄ 1:3
2ይ ተሰሎንቄ 2:9-10
2ይ ተሰሎንቄ 3:5
1ይ ጢሞቴዎስ 4:12
1ይ ጢሞቴዎስ 6:10
1ይ ጢሞቴዎስ 6:11
2ይ ጢሞቴዎስ 3:3
ቲቶስ 2:2
ፊልሞን 1:9
እብራውያን 13:1
እብራውያን 13:5
ያእቆብ 4:4
1ይ ጴጥሮስ 1:22-23
1ይ ጴጥሮስ 4:8
1ይ ጴጥሮስ 5:14
2ይ ጴጥሮስ 1:7
1ይ ዮሃንስ 2:5
1ይ ዮሃንስ 2:15
1ይ ዮሃንስ 3:1
1ይ ዮሃንስ 3:16
1ይ ዮሃንስ 3:17
1ይ ዮሃንስ 4:7
1ይ ዮሃንስ 4:8
1ይ ዮሃንስ 4:9
1ይ ዮሃንስ 4:10
1ይ ዮሃንስ 4:16
1ይ ዮሃንስ 4:17
1ይ ዮሃንስ 4:18
1ይ ዮሃንስ 5:3
2ይ ዮሃንስ 1:6
ይሁዳ 1:12
ይሁዳ 1:21