1. ንፍቕሪ ስዓብዋንመንፈሳዊ ውህበትምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ

2. እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ አሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ ዘሎ።

3. እቲ ትንቢት ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዚምዕድን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ

4. ቋንቋታት ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽትንቢት ዚንበ ግና ንማሕበር እዩ ዚሃንጽ

5. ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ አሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዐቢ

6. ኣሕዋተየሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይወይ ብፍልጠትወይ ብትንቢትወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧

7-8. እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዚስለፍእቲ ህይወት ዜብሉ እሞ ድምጺ ዜድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዚቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ

9. ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዚስትውዓል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧

10. ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት አሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዜብሉ ግና የልቦን

11. እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዚዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዚዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዚዀነኒ።

12. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ።

13-14. ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹመንፈሰይ እዩ ዚጽሊኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኺከኣሎ፡ ይጸሊ

15. እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።

16. እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ኪብል ይከኣሎ፧

17. ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን አሎኻእቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን

18. ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ ኤመስግን አሎኹ።

19. ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቓል ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቓላት በእምሮ ኽዛረብ እፈቱ አሎኹ

20. ኣሕዋተየበእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ

21. ኣብ ሕጊነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዚብል ጽሑፍ አሎ።

22. ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዚአምኑ ኣይኰነንትንቢት ግና ነቶም ዚአምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን

23. ደጊም ኲላ እታ ማሕበር ሐቢራ እንተ ተአከበትኲላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉተጸሊሎኩምዶ ኣይብሉን እዮም

24. ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወኲላቶም ይገንሕዎኲላቶም ይፈርድዎ እዮም።

25. እቲ ኣብ ልቡ እተሐብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ።

26. ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩክትእከቡ ኸሎኹምነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር

27. ብቛንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ክልተእንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ

28. ተርጓሚ እንተ ዜልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዚዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበልንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ።

29. ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ

30. ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል

31. ኲላቶም ምእንቲ ኺምሃሩ ዂላቶምውን ኪምዓዱስኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ።

32-33. ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።

34. ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዚግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላከምቲ ሕጊ ዚብሎ ድማ ይገዝኣ

35. ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞገለ ኺምሃራ እንተ ደለያኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ

36. ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሔ

37. ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎእዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ

38. እቲ ኺፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ

39. ኣሕዋተየስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ

40. ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን