1-2. ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትናእምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኺጐይን ኪኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና

3. ግናኸ እቲ ዜጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዙሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ።

4. እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት አላትና።

5. ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ

6. እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና።

7-8. ኣብ ሓዴኹም እኳ ኸይነኽብድሲለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፡ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናንኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዚግብኣኩምባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

9-10. ምሳኻትኩም ከሎናውንገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዜብልና ኣይኰንናን

11. ማለት፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩንሰምዕ አሎና።

12. ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።

13. ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ

14. ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበርሉ።

15. ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ

16. እምብኣርስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ ወገንኵሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩምጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

17. እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኵሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ

18. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን

Chap 2