1. ብዛዕባቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ።
2. ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ።
3. ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ።
4. ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና።
5. ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡
6. ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።
7. እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ።
8. ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና።
9. ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ።
10. ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧
11. ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ አሎ።
12. ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ አሎኹም።
13. ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...