1. መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።
2. ካልእ ይንኣድካ፡ ኣፍካ ኣይኮነን፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን።
3. እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና ኣንጸርጽሮት ዓሻ ይኸብድ።
4. ቍጥዓ ጨካን እዩ፡ ኵራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅንኢ ግና መን ደው ይብል፡
5. ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ።
6. ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።
7. ንዝጸገበት ነፍስስ ወለላ መዓር ትርግጽ፡ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።
8. ካብ ቤቱ ወጺኡ ዚዅብልል ሰብ፡ ቤታ ሐዲጋ ኸም እትዅብልል ዑፍ እዩ።
9. ቅብእን ዕጣንን ንልቢ የሐጕሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ።
10. ፈታዊኻን ፈታው ኣቦኻን ኣይትሕደግ፡ ብመዓልቲ ጸበባኻ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትኺድ፡ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሐይሽ።
11. ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሕጕሶ።
12. ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።
13. ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እታ ጓና ኻብኡ ታሕዚ ውሰድ።
14. እቲ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ዚምርቖ፡ ከም ዚረግም እዩ ዚቝጸር።
15. ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዚነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።
16. ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዅን እዩ።
17. ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
18. ንበለስ ዚኸናኸን፡ ፍሬኣ ይበልዕ፡ ንጐይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር።
19. ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዘርእዮ፡ ከምኡ ኸኣል ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ።
20. ሲኦልን መዓመቝን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን።
21. መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ።
22. ንዓሻ ኣብ ሞጕእ ምስ ጕርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሐደጎን።
23-24. ሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቡቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ።
25. ዕላም ሐሊፉ ለቕሚ በቝሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡ።
26. ዕያውቲ ንኽዳንካ፡ ድቤላውን መዓድግ ግራት አሎካ፡
27. ጸባ ኣጣል ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድኻን ኪኣክል እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...