1. ምስላታት ሰሎሞን። ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፡ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።
2. መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
3. እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቅ ክትጠሚ ኣይሐድጋን፡ ንህርፋን ረሲእን ግና የንኰላልፎ።
4. ብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጕሃት ግና ተሀብትም።
5. እቲ ብሓጋይ ዚእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዚድቅስ ግና ዜሕስር ወዲ እዩ።
6. በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል።
7. መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ።
8. ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
9. ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድ፡ ብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ።
10. ብዓይኑ ዚጠቅስ ከመራ የምጽእ፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
11. ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኸውል።
12. ጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።
13. ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ፡ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ።
14. ጠቢባንሲ ፍልጠይ ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።
15. ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ንድኻ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።
16. ዕዮ ጻድቕ ንህይወት፡ እቶት ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ።
17. ምዕዶ ዚህሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዚኣቢ ግና ይስሕት።
18. ጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር አለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።
19. ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።
20. ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን።
21. ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያ፡ ዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዝሞቱ።
22. በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።
23. ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ቃዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።
24. ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾ፡ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሃቦም።
25. ህቦብላ ምስ ዚሐልፍ፡ እቲ ረሲእ የሎን፡ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዚነብር መሰረት እዩ።
26. ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ፡ ሃካይ ንለኣኽቱ ኸምኡ እዩ።
27. ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕ፡ ዓማታት ረሲእ ግና ኺሐጽራ እየን።
28. ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።
29. መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡ፡ ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።
30. ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን፡ ረሲኣን ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።
31. ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእ፡ ልግመኛ ልሳን ግና ትቝረጽ።
32. ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዜሐጕስ ይፈልጣኦ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...