1. ኣየወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓወይ እንተ ትዀነለይ፡ ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኽበካምስዐምኩኻ ነይረ፡ ሓደ እኳ ኣይምነዐቐንን

2. መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእቶኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡ ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቈ መስቴኹኻ

3. ጸጋመይቱ ተተርእሰኒየማነይቱ ኸኣ ትሐቚፈኒ

4. ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌምንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊከይተተንስኣኣን ከይተበራብርኣን ኢለ ኤምሕለክን አሎኹ።

5. እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧ ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጒ ኣንቓሕኩኻ፡ ኣብኣ ኣዴኻ ወላዲትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ

6. ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡ ቅንአታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ፡ ረስና ኸም ረስኒ ሓዊሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ልብኻ፡ ከም ማሕተማ ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ

7. ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልንወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማንሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዂሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡ ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም።

8. ጡብ ዘየውጽኤት ንእሽቶ ሓብቲ አላትና፡ እትድለየላ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡ ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና፧

9. ቀጽሪ እንተ ዀነት፡ ኣብ ልዕሊኦ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላደገ እንተ ዀነት ኸኣ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና።

10. ኣነ ቐጽሪ እየ፡ ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን፡ ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኰንኩ።

11. ሰሎሞን ኣብ በዓል-ኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸኣ ንሓለውቲ ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሀቦም

12. እታ ናተይ ዝዀነት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣብ ቅድመይ እያ፡ ዎ ሰሎምንሽሕ ንኣኻ እዩ፡ ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን።

13. ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡ እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ ኣለው፡ ንኣይ ኰታ ኣስምዕኒ

14. ኣታ ፍትወየ፡ ቀልጥፍ፡ ኣብ ምኡዝ ኣኽራን ከኣ ከም ሜዳቚ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን።

Chap 7