1. ደቂ እስራኤል ግና ኣብቲ ሕሩም ነገር ኣበሳ ኣበሱ። ካብ ነገድ ይሁዳ ኣካንወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብቲ እተሐርመ ወሰደ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ

2. እያሱ ድማ ካብ ያሪኮ ናብታ ብምብራቕ ቤት-ኤል ኣብ ጥቓ ቤት-ኣዌን ዘላ ዓይ ሰባት ሰደደደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰባት ከኣ ደይቦም ንዓይ ሰለይዋ

3. ናብ እያሱ ተመሊሶም ድማ፡ ኵሉ ህዝቢ ኣይደይብሒደት እዮም እሞ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ናብኣ ኣይተድክሞክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዚአክል ሰብ ደኣ ይደይብ፡ ንዓይ ከኣ ይውቅዕዋበልዎ

4. ካብቲ ህዝቢ ድማ ሰለስተ ሽሕ ዚአክል ሰብ ናብኡ ደየበ። ግናኸ ካብ ቅድሚ እቶም ሰብ ዓይ ሀደሙ

5. እቶም ሰብ ዓይ ካብኦም ኣስታት ሰላሳን ሹድሽተን ሰብ ቀተሉ፡ ካብ ደገ ኽሳዕ ሰባሪም ሰጐጕዎም፡ ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ሽዑ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸከም ማይ ከኣ ዀነ

6. እያሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስኒሶም፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ

7. እያሱ ድማ በለኣየ ጐይታይ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ሂብካ ኸተጥፍኣናስስለምንታይ ደኣ ነዚ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ዘሳገርካዮ፧ እየ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እንተ ንቕመጥ፡ ግዳ ምፈቶና

8. ወይለይ ጐይታይእስራኤል ዝባኑ ናብ ገጽ ጸላእቱ ኻብ መለሰእንታይ ክብል እየ

9. ከነኣናውያንን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎምንኪሰምዑ እዮም እሞ ኪኸቡናስምና ድማ ካብ ምድሪ ኼጽንቱ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

10. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎተንስእ፡ ስለምንታይ ከምዚ ብገጽካ ትድፋእ

11. እስራኤል ሓጢኣት ገበረ፡ እቲ ዝአዘዝክዎም ኪዳነይ ከኣ ኣፍረሱ፡ ካብቲ ሕሩም ወሰዱ ሰረቑ ኸኣ፡ ሐሰዉ ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣቕሓኦምውን ኣንበርዎ

12. ስለዚ ደቂ እስራኤል ተሐሪሞም እዮም እሞ፡ ዝባኖም ናብ ገጽ ጸላእቶም ይመልሱ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይክእሉን። ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም እንተ ዘየጥፋእኩም። ኣነ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ፡

13. ተንስእ እሞ፡ ነቶም ህዝቢ ቀድሶምበሎምውንንጽባሕ ተቐደሱእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ሕርሚ ኣብ ማእከልካ አሎ፡ ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትቀውም ኣይትኽእልን

14. ጽባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ነገድ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ዓሌት ድማ፡ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዚወስዶ ማይ ቤት ከኣ፡ በብሰብኣይ ይቕረብ።

15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ሕርሚ እተረኽቦኪዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ ኣብ እስራኤል ከኣ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይንደድ

16. እያሱ ከኣ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤንእስራኤል ድማ በብነገዱ ኣቕሪቦ እሞ ነገድ ይሁዳ ተወስደ

17. ንዓሌታት ይሁዳ ኸኣ ኣቕረቦም እሞ ዓሌት ዜራሓውያን ወሰደንዓሌት ዜራሓውያን ድማ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ዛብዲ ተወስደ

18. ንማይ ቤቱ ኸኣ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ኣካንወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተወስደ

19. እያሱ ድማ ንኣካንወደይ፡ በጃካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውንእንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒኣይትሕብኣለይበሎ

20. ኣካን ድማ ንእያሱ መሊሱ በሎሓቂ እዩ፡ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዝን ከምዝን ገበርኩ

21. ኣብቲ እተዘምተ ሓደ ጽቡቕ ባርኖስ ሰንኣርን ክልተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓምሳ ሲቃል ዝሚዛኑ ልሳን ወርቅን ምስ ርኤኹ፡ ሽዑ ተመኔክዎ እሞ ወሰድክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል ድንኳነይ ኣብ ምድሪ፡ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ፡ ተሐቢኡ አሎ።

22. ሽዑ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ናብቲ ድንኳን ከኣ ጐየዩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ድንኳኑ ተሐቢኡ፡ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ።

23. ካብ ማእከል እቲ ድንኳን ወሲዶም፡ ናብ እያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምጺኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ

24. ሽዑ እያሱኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ንኣካን ወዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን ነወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ወሲዶምናብ ጋግ ዓኰር ኣደየብዎ

25. እያሱ ድማ፡ ስለምንታይ ኣሸገርካናበለኵሉ እስራኤል ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፡ ብዳርባ እምኒ ቐቲሎም ከኣ ብሓዊ ኣንደድዎም

26. ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ረስኒ ዅራኡ ተመልሱ። ስለዚ ኸኣ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ጋግ ዓኰር ይበሀል አሎ