1. ያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል ተዐጽያን ተሸጒራን ነበረትዚወጽእ ኰነዚአቱ ዀነ ኣይነበረን።

2. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎርኤያሪኮን ንጉሳን እቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ።

3. ኵልኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ኺቢብኩም ሓንሳእ ዙርዋሹድሽተ መዓልቲ ከምኡ ግበሩ

4. ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት ኰይኖም ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ

5. ኺከውን ድማ እዩ፡ እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፡ እቲ ደሃይ መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም፡ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድርመካበብያ እታ ኽተማ ከኣ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ኺድይብ እዩ።

6. ሽዑ እያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ጸዊዑታቦት ኪዳን ውሰዱሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱበሎም

7. ነቶም ህዝቢ ድም፡ ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍበሎም

8. ኰነ ኸኣ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሐለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከኣ ደድሕሪኦም ይኸይድ ነበረ።

9. እቲ እተሰለፈ ዘበለ ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ ኻህናት ይኸይድ ነበረ፡ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ።

10. እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢጫውጫው ኣይትበሉድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑዝብለኩም መዓልቲሽዑ ኣውክዑኢሉ ኣዘዞም

11. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓንሳእ ኣዞሮ፡ ናብ ሰፈር ኣትዮም ከኣ ኣብቲ ሰፈር ሐደሩ

12. ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ እቶም ካህናት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ጾርዎ

13. እቶም ሾብዓተ ኻህናትውን ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞምቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚኦም ከደ። እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕብ ነበረ።

14. በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱሹድሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ

15. ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ብወጋሕታ ተንሲኦም፡ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮምሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ።

16. ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑእያሱ ነቶም ህዝቢ በሎምእግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ

17. እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹንረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ

18. ሓንትስ ንስኻትኩም ከኣ ምስ ሐረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎመከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ

19. ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ

20. ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውንነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ

21. ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸኣ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ክሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም።

22. እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሐልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ዅሉን ካብኣ ኣውጽኡበሎም

23. እቲም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል አቐመጥዎም

24. ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣንደዱብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ

25. ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሐደገክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነብር አላ፡

26. በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹንብበዅሪ ወዱ ይሰርታደጌታታ ድማ በቲ ዝነኣሰ ወዱ የቑም

27. እግዚኣብሄር ምስ እያሱ ምስ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሔ