1. ንነገድ ምናሴ ድማ፡ በዅሪ ዮሴፍ እዩ እሞ፡ ዕጩ እዚ እዩ፡ ማኪር፡ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድተዋጊኢ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንእኡ ዀና።

2. ነቶም ዝተረፋ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ዕጭ በጽሖም፡ ንደቂ ኣቢዔዘርን ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳንተባዕትዮ ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።

3. ግናኸ ጸሎፈሓድወዲ ሔፈር ወዲ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፡ ስም እተን ኣዋልዱ ከኣ እዚ እይ፡ ማሕላኖዓሖግላሚልካቲርጻ

4. ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ቀሪበንእግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ፡ በላ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን

5-6. እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንንዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት።

7. ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም ዘላ ሚክሜታት ኰነ። እቲ ዶብ ከኣ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔን-ታጱኣ ዚነብሩ ይሐልፍ

8. ምድሪ ታጱኣ ንምናሴ ዀነት፡ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኰነት።

9. እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርባ ቃና ብደቡብ እቲ ርባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ምናሴ ኽነሰን፡ ንኤፍሬም ኰና፡ ዶብ ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ርባ እዩ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኸኣ ይወጽእ

10. ደቡብ ንኤፍሬምሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፡ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር ይበጽሕ

11. ድማ ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርንቤት-ሸኣንን ዓድታታንዪብልዓምን ዓድታታን ድማ፡ ኣብ ዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ዔንዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ታዓናክ ዚነብሩን ዓድታትን፡ ኣብ መጊዶ ዚነብሩን ዓድታትን፡ ሰለስቲኤን በረኽቲ ንምናሴ ዀኖ።

12. ግናኸ ደቂ ምናሴ ንሰብ እዘን ከተማታት እዚኤን ኬውጽእዎም ኣይከአሉን እሞ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ሃገር ኪቕመጡ ቘረጹ

13. ኰነ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ምስ ሐየሉ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበርዎም እምበር፡ ኣይሰጐጕዎምን

14. ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ ዝኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ ባሪኹኒ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጭን ሓደ ኽፍልን ጥራይ ርስቲ ዝሀብካኒኢሎም ተዛረብዎ

15. እያሱ ኸኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ እሞ ከረን ኤፍሬም እንተ ደኣ ጸበባካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን ረፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ንኣኻ ልበድ፡ በሎም

16. ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ እቲ ኸረን ኣይኣኽለናን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዚነብሩ ኸነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤት-ሸአንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ዀነ፡ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ዚነብሩ ዀነ፡ ኵላቶም ሰረገላታት ሓጺን አለዎም፡ በሉ

17. እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍንኤፍሬምን ንምናሴን፡ ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊውን አሎካ፡ ሓደ ጥራይ ኣይኹነልካ

18. እቲ ኸረን ድማ ንኣኻ ይኹን፡ ዱር ክነሱ፡ ልበዶ እሞ ብዘሎ ናትካ ኪኸውን እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ከኣ፡ ሰረገላ ሓጺን እኳ እንተለዎም ሓያላትውን እንተ ዀኑ፡ ከተውጽኦም ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦም።