1. ንነገድ ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም፡ ክሳዕ ዶብ ኤዶም፡ ናብ ወገን ደቡብ ዜብል በረኻ ሲን፡ ክሳዕ ወሰን ደቡብ ዕጭ በጽሖም።

2. እቲ ናይ ደቡብ ዶቦም ድማ ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡ ካብቲ ንደቡብ ዜብል ልሳን ነበረ፡

3. ንዓቐበት ዓቅራቢም ናብ ደቡቡ ወጺኡንሲን ከኣ ሐሊፉንቃዴስ-ባርኔዓ ብደቡባ ደዪቡንሔጽሮን ሐሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ ናብ ቃርቃዓ ኣቢሉ ከኣ ይዘውር

4. ንዓጽሞን ኣቢሉ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ርባ ግብጺ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶብኩም እዚ ይኹን።

5. ናይ ምብራቕ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው ክሳዕ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ፡ ናይ ሸነኽ ሰሜን ዶብ ድማ ካብ ልሳን ባሕሪ ኣብ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ።

6. እቲ ዶብ ከኣ ንቤት-ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት-ዓራባ ይሓልፍ፡ እቲ ዶብ ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።

7. እቲ ዶብ ከኣ ካብ ለሰ ዓኰር ናብ ደቢር ይድይብ፡ ከምኡ ኸኣ ናብ ሴሜንንጊልጋል ኣቢሉውን ይጥምት፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ሸነኽ ደቡቡ ነቲ ርባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፡ እቲ ዶብ ድማ ንማይ ዔን-ሸመሽ ይሐልፍ፡ ናብ ዔን-ሮጌል ይወጽእ

8. እቲ ዶብውን በቲ ለሰ ወዲ ሂኖም ገይሩ፡ ናብ ጸግዒ ደቡብ እታ ይቡሳዊ፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌምይድይብ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ሴሜናይ ወሰን ለሰ ረፋይም ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይድይብ።

9. ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ይሐልፍ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮንውን ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ በዓላ፡ ንሳ ቂርያት-የዓሪምይዘውር

10. ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ዶብ ንኸረን ሰዒር ይዘውር፡ ናብ ሰሜናይ ጸግዒ ኸረን የዓሪም ከኣ ይሐልፍ፡ ንሱ ኽሳሎን እዩ፡ ንቤት-ሸመሽ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሐልፍ።

11. እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜን ጸግዒ ዔቅሮን ይወጽእ። እቲ ዶብውን ናብ ሺክሮን ኣቢሉ ይዘውርብኸረን በዓላ ድማ ይሐልፍ፡ ናብ ያብንኤል ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ባሕሪ ይወጽእ።

12. እቲ ናይ ምዕራብ ዶብ ድማ ዓብዪ ባሕርን ዶቡን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ።

13. ንካሌብ ወዲ የፋነ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ይሁዳ ግደ ሀቦ፡ ቂርያት- ኣርባኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኬብሮን እያ።

14. ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅንሸሻይን ንኣሂማንን ንታልማይንወለዶ ዓናቅ ካብኣ ኣውጽኦም

15. ካብኣ ናብቶም ኣብ ደቢር ዜነብሩ ደየበስም ደቢር ከኣ ቀደም ቂርያት-ሴፈር ነበረ።

16. ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሴፈር ተዋጊኡ ዝሐዛዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ

17. ሽዑ ዖትኒኤልወዲ ቄናዝ ሓው ካሌብሓዛ እሞ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ

18. ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ኪልምን መኸረቶ፡ ካብ ኣድጋ ኸኣ ወረደትካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ፧ በላ

19. ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሀበኒምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከኣ ሀበኒ፡ በለት። ንሱ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሀባ

20. ርስቲ ነገድ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡

21. እተን ብወገን ደቡብ ናብ ዶብ ኤዶም ዜብላ ወሰኖት ከተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ፡ እዚኣተን እየን፡ ቃብጽኤልን ዔደርን ያጉርን

22. ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን

23. ቄዴሽን ሓጾርን ዪትናን

24. ዚፍን ጤለምን በዓሎትን

25. ሓጾር - ሓዳታን ቄሪዮት - ሔጽሮንን፡ ንሳ ሓጾር እያ፡

26. ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን

27. ሓጻር-ጋዳን ሔሽሞንን ቤት-ጰለጥን

28. ሓጾር-ሹዓልን ብኤር-ሸባዕን ቢዝዮትያን

29. በዓላን ዒዪምን ዓጸምን

30. ኤል-ቶላድን ኬሲልን ሖርማን

31. ጺቅላግን ማድማናን ሳንሳናን

32. ልባኦትን ሺልሂምን ዓዪንን ሪሞንን፡ ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማ ምስ ዓድታተን

33. ኣብ ቈላኤሽታኦልን ጾርዓን ኣሽናን

34. ዛኖኣን ዔን-ጋኒምን ታጱኣን ዔናምን

35. ያርሙትን ዓዱላምን ሶኮን ዓዜቃን

36. ሻዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምንዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

37. ጽናን ሓዳሻን ሚግዳል-ጋድን

38. ዲልዓንን ሚጽጴን ዮቅትኤልን

39. ላኪሽን ቦጽቃትን ዓግሎንን

40. ካቦንን ላሕማስን ኪትሊሽን

41. ግዳሮትን ቤት-ዳጎንን ናዓማን ማቄዳንዓሰርተው ሹዱሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

42. ሊብናን ዔተርን ዓሻንን

43. ዪፍታሕን ኣሽናን ንጺብን

44. ቅዒላን ኣክዚብን ማሬሻንትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

45. ዔቅሮን ምስ ከተማታታን ዓድታታን

46. ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋ ዅለን ምስ ዓድታተን

47. ኣሽዶድ ምስ ከተማታታንጋዝ ምስ ከተማታታን ዓድታታን ክሳዕ ርባ ግብጽን ክሳዕ ዓብዪ ባሕርን ዶቡን

48. ኣብ ከረን ድማ፡ ሻሚርን ያቲርን ሶኮን

49. ዳናን ቂርያት-ሳናን፡ ንሳ ደቢር እያ፡

50. ዓናብን ኤሽትሞን ዓኒምን

51. ጐሼንን ሖሎንን ጊሎንዓሰርተው ሓደ ኸተማ ምስ ዓድታተን

52. ኣራብን ዱማን ኣሼዓንን

53. ያኑምን ቤት-ታጱኣን ኣፌቃን

54. ሑምታን ቂርያት-ኣርባን፡ ንሳ ኼብሮን እያ፡ ጺዖርንትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

55. ማዖንን ካርሜልን ዚፍን ዮጣን

56. ይዝርኤልን ዮቅድዓምን ዛኖኣን

57. ቃዪንን ጊብዓን ቲምናንዓሰርት ኸተማ ምስ ዓድታተን

58. ሓልሑልን ቤት-ጹርን ግዶርን

59. ማዓራትን ቤት-ዓኖትን ኤልትቆንንሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

60. ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ቂርያት-ይዓሪም እያ፡ ራባውንክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

61. ኣብ በረኻ ቤት-ዓራባን ሚዲንን ስካካን

62. ኒብሻንን ዒር-ሃመላሕን ዔን-ጌዲንሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን

63. ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ይሁዳ ኼውጽእዎም ኣይከኣሉን። ስለዚ ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይነብሩ አለዉ።