1. እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩ

2. ንንጉስ ያሪኮ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋብለይቲ ናብዚ ኣትዮም አለዉኢሎም ነገርዎ

3. ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮምኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ

4. እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሐብኣቶምበለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩም

5. ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩንቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም።

6. ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሐብኣቶም

7. እቶም ሰባት ከኣ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ እቲ ደገ ተሸጐረ

8. ንሳቶም ገና ኸይደቀሱ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት

9. ነቶም ሰባት ከኣ በለቶምእግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ዅሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመከኹ ፈለጥኩ

10. እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከምዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎምሰሚዕና ኢና እሞ፡

11. እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮልብና መኸከ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን

12-13. ሕጂ ኸኣ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን፡ ዘለዎም ኵሉ ድማ ብህይወቶም ክትሐድግዎምነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑብእግዚኣብሄር ምሐሉለይርግጽ ምልክት ከኣ ሀቡኒ

14. እቶም ሰባት ከኣ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዘይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ነሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበናምሕረትን እምነትን ንገብረልኪበልዋ

15. ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ትነብር ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም

16. እቶም ደለይቲ ኸይረኽቡኹምሲንኸረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሐብኡድሓር ድማ መገድኹም ኪዱበለቶም

17. እቶም ሰባት ከኣ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንነጽህ

18. እንሆ፡ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ከሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረክና መስኰት አንጠልጥልዮነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም

19. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝዀነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለዉ ኢድ እንተ ተንከዮ ኸኣ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን።

20. ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ፡ ካብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና።

21. ንሳ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ

22. ንሳቶም ከኣ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎምኣይረኸብዎምን ከኣ።

23. እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኣዛረብዎ

24. ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹበልዎ