1. እያሱ ድማ ነዊሕ ዘበን ገይሩ ኣሪጉ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፡ ንስኻ ነዊሕ ዘበን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፡ እትተሐዝ ምድሪ ድማ ገና ኣዝያ ገዛፍ ተሪፋ አላ።

2. እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸኣ እዚኣ እያ፡ ብዘሎ ጐደቦታት ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ጌሹራውያንን

3. ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብጺ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከኣ ክሳዕ እታ ምስ ምድሪ ኸነኣን እትቚጸር ዶብ ዔቅሮን፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያንጋዛውያንኣሽዶዳውያንኣስቀሎናውያንጋታውያንዔቅሮናውያን ዓዋውያን ድማ፡

4. ብደቡብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣናውያንሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ከሳዕ ኣፌቅ፡ ክሳዕ ዶብ ኣሞራውያን

5. ድማ ምድሪ ጌባላውያን፡ ብዘሎ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ፡ ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘሎ በዓል-ጋድ ክሳዕ እቲ ንሃማት ዜእቱ

6. ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማዪም ዚነብሩ ዅሎም፡ ብዘለዉ ሲዶናውያን። ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ጥራይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤል ንርስቲ ኣካፍሎም

7. እምበኣር ሕጂ እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ምቐላ

8. ምስኡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም፡ እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝሀቦም ርስቶም ተቐበሉ

9. ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማ ኸኣ ብዘሎ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦንውን

10. ድማ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሔስቦን ክሳዕ ዶብ ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን

11. ጊልዓድን ዶብ ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፡ ብዘሎ ኸረን ሄርሞንን ብዘሎ ባሳን ድማ ክሳዕ ሳልካ

12. ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ - ንሱ ኻብቶም ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ - ሙሴ ድማ ወቒዑ ኣውጽኦም

13. ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውጽእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ይቕመጡ አለዉ።

14. ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ ኣይሀቦምንርስቱስ ከምቲ ዝበሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

15. እምበኣርሲ ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሀቦም

16. ዶቦም ከኣ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን፡ ብዘሎ ጐልጐል ሜድባ ድማ፡

17. ሔስቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታትንዲቦንን ባሞት-ብዓልን ቤት-በዓል-ሜዖንን

18. ያሕጻን ቄዴሞትን ሜፋዓትን

19. ቂርያታዪምን ሲብማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ኸረን ዘላ ጸሬት-ሻሓር ድማ፡

20. ቤት-ጴዖርን ጎቦታት ጲስጋንንቤት-የሺሞትን

21. ኵለን ከተማታት ጐልጌልን ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ነጊሱ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹማምቲ ሚድያንኤዊን ረቀምን ጹርን ሑርን ሬባን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹማምቲ ሲሆን፡ ሙሴ ዝወቕዖም

22. ንበላዓም ጠንቋሊ ወዲ ቤዖር ድማ ምስቶም ካልኦት ቅቱላቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ቀተልዎ

23. ዶብ ደቂ ሮቤል ድማ ዮርዳኖስን ዶቡን ነበረ። ርስቲ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶምከተማታትን ዓድታተንን እዚ እዩ።

24. ንነገድ ጋድ ድማ፡ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ሙሴ ሀቦም

25. ዶቦም ከኣ ያዕዜርን ኵለን ከተማታት ጊልዓድን ፈረቓ ምድሪ ደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ እታ ኣብ መንጽር ራባ ዘላ ዓሮዔር ነበረ።

26. ካብ ሔስቦን ድማ ክሳዕ ራማት-ሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ መሃናይም ከኣ ክሳዕ ዶብ ደቢር

27. ኣብቲ ለሰ ድማ፡ ቤት-ሃራምን ቤት-ኒምራን ሱኰትን ጻፎንን፡ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሲሆንንጉስ ሔስቦን፡ እቲ ዶብ ድማ ዮርዳኖስ እዩ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ኪነረትስግር ዮርዳኖስ ብምብራቑ

28. ርስቲ ደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ከተማታት ምስ ዓድታተን እዚ እዩ።

29. ንፈረቓ ነገድ ምናሴውን ሙሴ ርስቲ ሀቦም፡ ንሱ ኸኣ ንፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ከከም ዓሌቶም ኰነ።

30. ዶብም ከኣ ካብ መሃናይም ብዘሎ ባሳን፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢርስሳ ኸተማታት

31. ፈረቓ ጊልዓድ ድማ፡ ኣስታሮትን ኤድሬዒንከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳንንደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ንፈረቓ ደቂ ማኪር ከከም ዓሌቶም ኰነ።

32. እተን ኣብ ስግር ዮርዳኖስብወገን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጐልጐል ሞኣብሙሴ ዘረስተዮም፡ እዚኣተን እየን።

33. ንነገድ ሌዊ ግና፡ ከምቲ ዝበሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም እሞ፡ ሙሴ ርስቲ ኣይህቦምን