1. ኰነ ኸኣ፡ ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌምእያሱ ንዓይ ከም ዝሐዛን ፈጺሙ ከም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፡ ከምኡ ድማ ንዓይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ፡ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩውን ምስ እስራኤል ከም እተዐርቁን፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዔ

2. ጊብዖንሲ ኸም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኤረ ኻብ ዓይ እኳ ትዐቢ ነበረት፡ ኵሎም ሰባትውን ጀጋኑ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዮም ፈርሁ

3. ስለዚ ኣዶኒ-ጼደቅ ንጉስ የሩሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን ልኢኹ

4. ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዐሪቓ እያ እሞ፡ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሐግዙኒ፡ በሎም።

5. ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያንንጉስ የሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ተአኪቦም ደየቡ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ድማ ሰፈሩተዋግእዋ ኸኣ።

6. ሰብ ጊብዖን ድማ ናብ እያሱ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ልኢኾም፡ እቶም ኣብ ከረን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ናባና ተአኪቦም እዮም እሞ፡ ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይድከምቀልጢፍካ ናባና ደይብኣድሕነናን ርድኣናንበልዎ

7. ሽዑ እያሱ፡ ንሱን ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝብን፡ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኻብ ጊልጋል ደየቡ

8. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቐውምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምበሎ

9. እያሱ ከኣ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ገስጊሱ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም

10. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፡ ኣብ ጊብዖን ከኣ ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖምብመገዲ ዓቐበት ቤት-ሖሮን ሰጐጎም፡ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከኣ ወቕዖም።

11. ኰነ ኸኣ፡ ካብ እስራኤል ሀዲሞም፡ ኣብቲ መውረዲ ቤት-ሖሮን ከለዉ ኽሳዕ ዓዜቃ ዚበጽሑ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ኣውደቐሎምሞቱ ኸኣ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም፡ እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ

12. ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲእያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን

13. ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲጸሓይ ቈመትወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመትንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን

14. እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።

15. እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሰ

16. እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሀዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሐብኡ

17. ንእያሱ ኸኣ፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታትሲ ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሐቢኦም ተረኺቦም አለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ

18. እያሱ ድማ በለ፡ ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉዚሕልውዎም ሰብ ከኣ ግበሩ

19. ንስኻትኩም ግና ደው ኣይትበሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጸላእትኹም ናብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስጐጕዎም። ነቶም ዳሕሮቶም ከኣ ቅተልዎም፡ ናብ ከተማታቶም ኪአትዉ ኣይትሕደግዎም

20. ኰነ ኸኣ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ኣዝዩ ዓብዪ ስዕረት፡ ክሳዕ ዚውድኡ ፈጺሞም ምስ ሰዐርዎም፡ እቶም ካባታቶም መሊቖም ዝሀደሙ ድማ ናብተን እተዐርዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ

21. ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ ናብ ሰፈር ኣብ ማቄዳ ብሰላም ተመልሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤልስ መልሓሱ ዘዋሳወሰሉ ሓደ እኳ ኣይነበረ።

22. ሽዑ እያሱ፡ ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎምበለ

23. ከምኡ ድማ ገበሩ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታትንጉስ የሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም

24. ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ እያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ጸውዖም፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ሓላቑ እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩበሎምቀረቡ እሞ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ

25. እያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ነቶም እተዋግዎም ኵሎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱንጽንዑን ትብዑንበሎም

26. ድሕርዚ እያሱ ወቒዑ ቐተሎም፡ ኣብ ሓሙሽተ ኦም ሰቐሎምክሳዕ ምሸት ከኣ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ወዐሉ።

27. ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምዕራብ ጸሓይ እያሱ ኣዘዞም፡ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ኣብቲ ተሐቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ኣብቲ ኣፍ በዓቲ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ

28. እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፡ ንእኣን ንንጉሳን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዔ፡ ንኣታቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ሓደ እኳ ኸየትረፈፈጺሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝግበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ ድማ ከምኡ ገበሮ

29. እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሐለፈንሊብና ኸኣ ተዋግኣ

30. እግዚኣብሄር ድማ ንእኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀበ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን፡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኸየትረፈብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበረ

31. እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ ሐለፈ እሞ ኣብ መንጽራ ሰፊሩ ተዋግኣ

32. እግዚኣብሄር ንላኪሽውን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀባብኻልአይቲ መዓልቲ ሓዛ፡ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበራ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ

33. ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበእያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡንሓደ እኳ ኸየትረፈቀተለ

34. እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ላኪሽ ናብ ዔግሎን ሐለፈ፡ ኣብ መንጽራ ሰፈሮም ከኣ ተዋግእዋ

35. በታ መዓልቲ እቲኣ ሐዝዋብስሕለት ሴፍውን ወቕዕዋ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት፡ ከምቲ ዅሉ ንላኪሽ ዝገበራፈጺሙ ኣጥፍኦም

36. እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን ደየበተዋግእዋ ከኣ።

37. ሐዝዋ ድማ፡ ንእእን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ዔግሎን ዝገበሮሓደ እኳ ኣየትረፈን፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ፈጺሙ ኣጥፍኦም

38. እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ናብ ደቢር ተመልሰተዋግኣ ኸኣ።

39. ንእኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሐዘብስሕለት ሴፍውን ቀተልዎም፡ ኣብኣ ንዘለዉ ንዅሎም ነፍሳት ድማ ፈጺሞም ኣጥፍእዎምሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ከኣ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ንጉሳን ከኣ ከምኡ ገበረ

40. በዚ ኸምዚ እያሱ ንዅላ እታ ምድሪ ኸረንን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ኵሎም ነገስታቶምን ቀተሎምሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝአዘዞትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈጺሙ ኣጥፍኤ

41. ከምኡ ድማ እያሱ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኽሳዕ ጋዛ፡ ንዅላ ሃገር ጎሼን ከኣ ክሳዕ ጊብዖን ወቕዖም

42. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡ እያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሐዘ

43. ድሕርዚ እያሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሱ