1. ኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረእግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ

3. ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም

4. ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤልከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይዓሰተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖም

5. እያሱ ድማ በሎምቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቚጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤልሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ

6. እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዚጥይቑኹም

7. ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም

8. ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቚጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዐሉ፡ ናብቲ ዝሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣንበርዎ

9. እያሱ ድማ ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቘመክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ አሎ።

10. እቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ንህዝቢ ኺነግር ዝአዘዞ ዅሉ ነገርከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝአዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ደው በሉ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ቀልጢፎም ተሳገሩ

11. ኰነ ድማ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ጠሪሱ ምስ ተሳገረ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ምስቶም ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገረ።

12. ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎምኣጽዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ

13. ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኣጽዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኺዋግኡ ተሳገሩ

14. በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣዕበዮ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ዚፈርህዎ ዝነበሩ፡ ንእኡ ኸኣ ፈርህዎ።

15-16. እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዚጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ኪድይቡ ኣዝዞምኢሉ ተዛረቦ

17. እያሱ ድማ ነቶም ኻህናት፡ ካብ ዮርዳኖስ ደይቡኢሉ ኣዘዞም

18. ኰነ ኸኣ፡ እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ደይቦምከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑጽ ምስ ረገጸማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱከም ቀደሙ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገምገሙ ወሐዘ

19. እቶም ህዝቢ ድማ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ ኻብ ዮርዳኖስ ደየቡብወሰን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጊልጋል ከኣ ሰፈሩ

20. እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ

21-24. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦምደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ብንቑጽ ተሳገሮእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ክትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም