1. ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ መጽሓፍ ወለዶታት ተጻሕፈ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ተጽሒፎም እዮም። ይሁዳ ድማ ብሰሪ ኣበሳኦም ናብ ባቢሎን ተማረኹ

2. እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማታቶምን ዚነብሩ ዝነበሩ ተቐማጦ ግና እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ኔቲኒምን እዮም።

3. ኣብ የሩሳሌም ከኣ ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ይቕመጡ ነበሩ፡

4. ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፡ ወዲ ዖምሪ፡ ወዲ ኢምሪ፡ ወዲ ባኒ፡ ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ

5. ካብ ሲሎናውያን ድማ፡ ዓሳያ እቲ በዂርን ደቁን

6. ካብ ደቂ ዜራሕ ከኣ፡ የጉኤልን እቶም ኣሕዋቶምንሹድሽተ ሚእቲን ተስዓን

7. ካብ ደቂ ብንያም ድማ፡ ሳሉ ወዱ መሹላም፡ ወዱ ሖዳውያ፡ ወዱ ሓዘኑኣ

8. ዪብነያ ወዲ የሮሓም ከኣ፡ ኤላ ወዱ ዑዚ፡ ወዲ ሚክሪ ድማ፡ መሹላም ወዱ ሸፋጥያ፡ ወዲ ሬጉኤል፡ ወዲ ዪብኒያ ኸኣ፡

9. ኣሕዋቶም ድማ ብወለዶታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሹድሽተን። ኲሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በቤት ኣቦታቶም እዮም።

10. ካብ ካህናት ድማ፡ የዳዕያን የሆያሪብን ያቂንን

11. ዓዛርያውን ወዲ ሒልቂያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ እቲ ራእሲ ቤት ኣምላኽ

12. ዓዳያ ኸኣ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ፈሽሑር፡ ወዲ ማልኪያማዕሳይ ድማ ወዲ ዓዲኤል፡ ወዲ ያሕዜራ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ መሺሌሚት፡ ወዲ ኢመር

13. ኣሕዋቶም ከኣ እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶምሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን፡ ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ኣዝዮም ንፉዓት ዝነበሩ ሰባት

14. ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ሸማዕያ ወዲ ሓሸብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ ኻብ ደቂ መራሪ

15. ባቅባቃርን ሔረስን ጋላልን ማታንያ ኸኣ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዚክሪ፡ ወዲ ኣሳፍ

16. ዖባድያ ድማ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ የዱቱንበረክያ ኸኣ ወዲ ዓሳ፡ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋታውያን እተቐመጠ ኤልቃና

17. ሓለውቲ ደገ ድማ፡ ሻሉምን ዓቁብን ጣልሞንን ኣሒማንን ኣሕዋቶምን። ሻሉም ሓለቓ ነበረ።

18. ንሳቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይጸንሑ አለው፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ሌዊ እዮም።

19. ሻሉም ከኣ ወዲ ቆሬ፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዘበሉ ኣሕዋቱ ቆራሓውያን ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፡ ኣቦታቶምውን ኣብቲ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ መእተዊ ነይሮም እዮም።

20. ቀደም ከኣ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ።

21. ዘካርያስ ወዲ መሸለምያ ሓላው ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ።

22. እዚኣቶም ኲሎም ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ኪዀኑ እተሐርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ዐዓዶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጻሕፉ፡ ንኣታቶም ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣቘምዎም።

23. ንሳቶምን ደቆምን ከኣ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣቢሄር፡ እቲ ናይ ድንኳን ቤት፡ ሓለውቲ ነበሩ።

24. እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲኤን ንፋሳትብምብራቕብምዕራብብሰሜንብደቡብ እዮም ዝነበሩ።

25. እቶም ኣብ ዐዓዶም ዚነብሩ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሰሳብዐይቲ መዓልቲካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምሳታቶ ኪዀኑ። ይመጹ ነበሩ።

26. ከመይሲ እዞም ሌዋውያን ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓላቑ ሓለውቲ ደገ ወርትግ ሰብ መዚ እዮም ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ክፍልታትን መዝገባትን ከኣ ምዙዛት ነበሩ።

27. ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ይሐድሩ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ መዞም ነበረ።

28. ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ ኣገልግሎትሲ ሰብ መዙ ነበሩ እሞ፡ ቈጺሮም የእትውዎ፡ ቈጺሮም ከኣ የውጽእዎ ነበሩ።

29. ገሊኣቶምውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ፡ ኣብ ብዘሎ ኣቓሑ መቕደስ ዋናታት ነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድኹም ሓርጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከኣ እተመዘዙ ነበሩ።

30. ካብቶም ደቂ ኻህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኢ የዳልው ነበሩ።

31. ማቲትያ ኸኣ ካብቶም ሌዋውያን፡ ንሱ በዂሪ ወዱ ንሻሉም ቈራሓዊ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ምስንካት ኣብ መቚሎ ዘሎ ዕዮ ምዙዝ ነበረ።

32. ካብ ኣሕዋቶም ድማ፡ ካብቶም ደቂ ቀሃታውያን፡ ገሊኣቶም ንሰንበት ሰንበት ኬዳልውዎ፡ ኣብ ልዕሊ እንጌራ ምርኣይ ነበሩ።

33. እቶም ዘማሮ ዝዀኑ ኣብቲ ኽፍልታት ቤት ዚቕመጡ ዝነበሩ፡ ናይ ሌዋውያን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትለይትን መዓልትን ብዕዮኦም ትሑዛት ነበሩ እሞ፡ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ሓራ ነበሩ።

34. እዚኣቶም በብወለዶኦም ኣሕሉቚ፡ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።

35. የዒኤል ኣቦ ጊብዖንሰበይቱ መዓካ እትብሀል፡ ኣብ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ።

36. በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፡ ድሕሪኡ ጹርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን

37. ጌዶርን ዓሕዮን ዘካርያን ሚቅሎትን

38. ሚቅሎት ከኣ ንሺመኣም ወለደ፡ እዚኣቶም ድማ ምስ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ መንጽር ኣሕዋቶም ተቐመጡ

39. ኔር ከኣ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ድማ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታንን ሜልኪ-ሹዓን ኣቢናዳብን ኤሽባዓልን ወለደ።

40. ወዲ ዮናታን ድማ መሪብ-ባዓል ከኣ ንሚካ ወለደ

41. ደቂ ሚካ ድማ፡ ጲቶንን መለክን ታሕሬዓን ኣሃዝን።

42. ኣሃዝ ከኣ ንያዕራ ወለደ፡ ያዕራ ድማ ንዓለመትን ዓዝማዌትን ዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ።

43. ሞጻ ንቢንዓ ወለደሬፋያ ኸኣ ወዱኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ።

44. ኣጼል ድማ ሹድሽተ ወዲ ነበርዎ፡ ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ዓዝሪቃምቦክሪእስማኤልን ሸዓርያን ዖባድያን ሓናንን። እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም።