1. ብናይ ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብ ቆረሓውያን መሸለምያወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ

2. መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል

3. እቲ ሓምሳይ ዔላም፡ እቲ ሳድሳይ ዮሓናን፡ እቲ ሳብዓይ ኤልይሆዔላም

4. ዖቤድ-ኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ከኣ ሳካር፡ እቲ ሓምሳይውን ንታንኤል

5. እቲ ሳድሳይ ዓሚኤል፡ እቲ ሳብዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሳምናይ ጳዑለታይኣምላኽ ባሪኽዎ ነበረ።

6. ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ ኣወዳት ተወልዱሉ፡ ንሳቶም ሓያላት ብርቱዓትን ሰብ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦኦም ይገዝኡ ነበሩ።

7. ደቂ ሸማዕያዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፡ እቶም ንፉዓት ሰባት ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን

8. እዚኣቶም ኲሎም ካብ ደቂ ዖቤድ-ኤዶም ነበሩ፡ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ነገልግሎት ዚበቕዑ ንፉዓት ሰባትስሳን ክልተን ካብ ዖቤድ-ኤዶም

9. መሸለምያውን ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ንፉዓት ሰባት

10. ሖሻ ኻብ ደቂ መራሪ ድማ ደቂ ነበርዎ፡ ሺምሪ ዋና ነበረ፡ ንሱ በዂሪ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ኣቦኡ ዋና ገበሮ

11. እቲ ኻልኣይ ሒልቂያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠበልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ፡ ናይ ሖሽ ደቅን ኣሕዋትን ኲሎም ዓሰርተው ሰለስተ ነበሩ።

12. እቶም ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብዚኣቶም እቶም ዝነበሩ፡ ማለት ካብቶም ኣውራ ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ነገልግሎት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ኣሕዋቶም መዚ ተቐበሉ።

13. ነናይ ደገ ኸም መማይ ቤት ኣቦታቶም ንእሽቶ ኸም ዓብዪ ዕጭ ተዋደቑለን

14. እቲ ናይ ምብራቕ ዕጭ ኣብ ሸለምያ ወደቐለባም መኻሪ ንዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ ዕጭ ኣውደቑሉዕጩ ኸኣ ብናይ ሰሜን ወጸ

15. ንዖቤድ-ኤዶም እቲ ናይ ደቡብ በጽሖ፡ ነቶም ደቁ ድማ ቤት መዛግብቲ።

16. ናብ ምዕራብ፡ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ሻለከት እተደይብ መገዲ ንሹጲምን ንሖሳን በጽሖም። ንሱ እታ ሓለዋ ኣብ መንጽር ሓለዋ ናይ ዘለዋኦ እዩ።

17. ብምብራቕ ሹድሽተ ሌዋውያን ነበሩ፡ ብሰሜን ብየዕለቱ ኣርባዕተብደቡብ ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኸኣ ክልተን ክልተን

18. ንጳርባር ብወገን ምዕራብ ኣብታ ልዕል ዝበለት በገዲ ኣርባዕተ፡ ኣብ ጳርባር ድማ ክልተ ነበሩ።

19. እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ መራሪን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ደጌታት እዚኣቶም እዮም።

20. ካብ ሌዋውያን ድማ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ነበረ።

21. ደቂ ላዕዳን፡ ደቂ ጌርሻናውያን ካብ ላዕዳን፡ ዋናታት ናይቲ ጌርሾናዊ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት የሒኤላውን ነበሩ።

22. ደቂ የሒኤላውያንዜታምን ሓው ዮኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ነበሩ።

23. ካብ ኣምራማውያን፡ ካብ ዪጽሃራውያን፡ ካብ ሔብሮናውያን፡ ካብ ዑዚኤላውያንስ

24. ሸቡኤልወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሹም ነበረ።

25. እቶም ካብ ኤሊዓዘር ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ ወዲይሻዕያ ወዱዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ።

26. እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ እተቐደሰ ነገር መዛግብቲ ነበሩ፡ ማለት እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ሽሕን ሚእትን ሓላቑ ሰራዊትን ዝቐደስዎ ነገር።

27. ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎ ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ቀዲሶምዎ ነበሩ።

28. ድማ ዂሉ እቲ ሳሙኤል ረኣይን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብሄር ወዲ ኔርን ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ዝቐደስዎ፡ ማንም ዝቐደሶ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ኢድ ሸሎሞትን ኣሕዋቱን ነበረ።

29. ኣብ ዪጽሃራውያንከናንያን ደቁን ኣብ ግዳማዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹማምትን ፈረድትን ነበሩ።

30. ካብ ሔብሮናውያንሓሻብያን ኣሕዋቱን ሃበርም ሰብኡትሽሕን ሾብዓተ ሚእትንኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንመጋብነት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ኲሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመዘዙ።

31. ካብ ሔብሮናውያንየሪያ ነቶም ሔብሮናውያን ከም ወለዶ ማይ ቤት ኣቦታት ዋናኦም ነበረ። ንግዝኣት ዳዊትስ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኦም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኦም ኣብ ያዕዜር ኣብ ጊልዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ

32. ኣሕዋቱ ድማ ክልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትንሃበርም ሰብኡትዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ምናሴን ኣብ ኲሉ ናይ ኣምላኽ ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሸሞም