1. ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ሔብሮን ተኣኪቦም ከምዚ በልዎ፡ እኔና ንሕናስ ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡

2. ካብ ቀደም ድማ እቲ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ እቲ ንእስራኤል እተውጽኦን እተኣትዎን ንስኻ ኢኻ ዝነበርካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ።

3. ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ሔብሮን መጹዳዊት ከኣ ኣብ ሔብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ

4. ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስከደተቐማጦ እታ ሃገር ይብሳውያን ኣብኣ ነበሩ።

5. እቶም ሰብ ይብስ ከኣ ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሐዛ

6. ዳዊት ከኣ፡ እቲ ቐዲሙ ንይብሳውያን ዝቐተለ ዘበለ፡ ሓለቓን ራእስን ኪኸውን እዩ፡ በለ። ዮኣስ ወዲ ጹርያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ።

7. ዳዊት ከኣ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፡ ስለዚ ንእኣ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ

8. ነታ ኸተማ ድማ ብዙርያ፡ ካብ ሚሎ ሒዙ ኽሳዕ ዙርያኣ ሰርሓ። ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸኣ ዮኣብ ኣዐረዮ

9. ዳዊት ድማ እናዐበየ ኸደእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።

10. እቶም ምስ ብዘሎ እስራኤል ኰይኖም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል፡ ንዳዊት ኬንግስዎ፡ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ዀይኖም ድማ ብሓይሊ ዝሐገዝዎ ኣውራታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም።

11. ቊጽሪ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ያሾበዓም፡ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ እዚ ርእሲ እቶም ሰላሳ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ፡ ብሓደ ሳዕ ቀተሎም።

12. ድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ እቲ ዓሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ።

13. ንሱ ኣብ ጰስ-ዳሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብኡ ድማ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ

14. ንሳቶም ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሞም ኣድሐንዋንፍልስጥኤማያንውን ሰዐርዎምእግዚኣብሄር ከኣ ብዓብዪ ምድሓን ኣድሐኖም

15. ካብቶም ሰላሳ ኣውራታት ድማ ሰለስተ ናብታ ከውሒ፡ ናብ ዳዊት ኣብታ በዓቲ ኣዱላም ወረዱ፡ እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ።

16. ሽዑ ዳዊት ኣብ እምባ ነበረ፡ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ሽዑ ኣብ ቤት-ልሄም ነበሩ።

17. ዳዊት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒኢሉ ተመነየ

18. ሽዑ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ ማይ ቀድሑጾይሮም ድማ ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዐወሉ እምበር፡ ኪሰትዮስ ኣይፈተወን

19. ንሱ፡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ፧ ነዚ ምግባርስ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆበለ። ስለዚ ኺሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ገበሩ

20. ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ከኣ ርእሲ እቶም ሰለስተ ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ስሙይ ነበረ።

21. ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም ከኣ ዀነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔን

22. በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይዓብዪ ነገር ዝገበረ ብዓል ቀብጽኤል፡ ንሱ ኽልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ንሱ ድማ ብጊዜ ውርጪ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ

23. ንሱ ኸኣ ንሓደ ግብጻዊ ሰብኣይነዊሕ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ሰብኣይ፡ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዚኸውን ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ

24. በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።

25. እንሆ፡ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሔንዳዊት ከኣ መማኸርቱ ገበሮ

26. እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብኤልሓናን ወዲ ዶዶ ቤት-ልሄማዊ

27. ሻሞት እቲ ሃሮራዊሔለጽ እቲ ጰሎናዊ

28. ዒራ ወዲ ዒቄሽ፡ እቲ ተቆዓዊኣቢዔዘር እቲ ኣናቶታዊ

29. ሲብካይ እቲ ሑሻታዊዒላይ እቲ ኣሖሓዊ

30. ማሃራይ እቲ ንጦፋታዊሔለድ ወዲ በዓና፡ እቲ ንጦፋታዊ፡

31. ኢታይ ወዲ ሪባይ፡ ካብ ጊብዓ፡ ካብቶም ደቂ ብንያምበናያ እቲ ጲርዓቶናዊ

32. ሑራይ ካብ ርባታት ጋዓሽኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ

33. ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊኤለያሕባ እቲ ሳዓልቦናዊ

34. በነሃሽም እቲ ጊዞናዊዮናታን ወዲ ሻገ፡ እቲ ሓራራዊ

35. ኣሒኣም ወዲ ሻካር እቲ ሓራራዊኤሊፋል ወዲ ኡር

36. ሔፈር እቲ መኬራታዊኣሒያ እቲ ጶሎናዊ

37. ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊናዓራይ ወዲ ኤዝባይ

38. ዮኤል ሓው ናታንሚብሓር ወዲ ሃግሪ

39. ጼለቅ እቲ ዓሞናዊናሕራይ እቲ ቤሮታዊጋሻ ዛግሬ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ

40. ዒራ እቲ ዪትራዊጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡

41. ኡሪያ እቲ ሔታዊዛባድ ወዲ ኣሕላይ

42. ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ሓደ ሓለቓ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ኸኣ ሰላሳ

43. ሓናን ወዲ ማዓካዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ ኸኣ፡

44. ዑዚያ እቲ ዓሽትራታዊሻማን የጉኤልን ደቂ ሖታም ዓሮዔራዊ

45. የዲዓኤል ወዲ ሺምሪዮሓ ኸኣ ሓው፡ እቲ ቲጻዊ

46. ኤሊኤል እቲ ማሃዊዪሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም ከኣ፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ

47. ኤሊኤልን ዖቤድን ያዓሺኤል እቲ መጾባያውን