1. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ።
2. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዐለ።
3. ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ።
4. እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን፡
5. ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን፡
6. ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን፡
7. ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን።
8. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ።
9. እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ።
10. ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ።
11. ናብ በዓል-ጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኡላ።
12. ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም።
13. እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ።
14. ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም።
15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ።
16. ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም።
17. ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...