1. ሰይጣን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተንስኤ እሞ፡ ንዳዊት እስራኤል ኪቘጽር ኣልዓዐሎ

2. ዳዊት ከኣ ንዮኣብ ንሓላቑ ህዝብንኪዱንእስራኤል ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳዕ ዳን ቊጸርዎቊጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ከኣ፡ ቃል ኣምጽኡለይበሎም

3. ዮኣብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ሳዕ ይወስኮ፡ ግናኸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኲሎም ገላው ጐይታይዶ ኣይኰኑንስለምንታይ ጐይታይ ነዚ ነገር እዚ ይደልዮ አሎ፧ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት ንበደል ዚኸውን፧ በለ።

4. እቲ ቓል ንጉስ ግና ንዮኣብ በርትዖስለዚ ዮኣብ ወጸ፡ ናብ በዘሎ እስራኤል ከይዱ ኸኣ ናብ የሩሳሌም መጸ

5. ዮኣብ ድማ ቊጽሪ እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንዳዊት ሀቦካብ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ዓሰርተው ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ዘብ ነበሩ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ሴፍ ዚመዙ ሰብ ነበሩ።

6. ዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ይፍንፍኖ ነበረ እሞ፡ ንሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይቈጸሮምን

7. እዚ ነገር እዚ ግና ንኣምላኽ ኣጒሀዮ እሞ፡ ንእስራኤል ቀዘፎ

8. ሽዑ ዳዊት ንኣምላኽእዚ ነገር እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በደልኩብዙሕ ድማ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ግና በጃኻ፡ በደል ባርያኻ ኣርሕቆበሎ

9. እግዚኣብሄር ድማ ንጋድ ናይ ዳዊት ረኣዪ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

10. ኪድ እሞ ንዳዊትእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ሰለስተ ነገር ኤንብረልካ አሎኹ፡ ካብኡ ንኣኻ ሓደ ሕረ እሞ፡ ክገብረልካ እየ፡ ኢልካ ተዛረቦ

11. ጋድ ከኣ ናብ ዳዊት ኣተወ በሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ እትደልዮ ሕረ

12. ሰለስተ ዓመት ጥሜት፡ ወይስ ሴፍ ጸላእቲኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ምህዳም፡ ወይስ ሴፍ እግዚኣብሄር፡ ማለት ኣብዛ ሃገር ሰለስተ መዓልቲ ፌራ፡ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ኬምጽእ። ነቲ ዝለኣኸንስ እንታይ ቃል ከም ዝመልሰሉ ሕጂ ሕሰብ

13. ዳዊት ንጋድኣዝዩ ጨኒቑኒ አሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ ዓብዪ እዩ እምኦ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ እወድቕ፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕንበሎ

14. ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ካብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰብ ወደቑ

15. ድማ ኣምላኽ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ መልኣኽ ሰደደላንሱ ኼጥፍእ ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ረኣዮ እሞ፡ በቲ ኽፋእ ተጣዒሱ፡ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ፡ ይኣክል፡ ሕጂስ ኢድካ ምለሳበሎእቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣርናን እቲ ይብሳዊ ደው በለ።

16. ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቛሕ ኣበላ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ደው ኢሉ እተመሌሔት ሴፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘርጊሕዋ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ማቕ ተኸዲኖም ብገጾም ተደፍኡ

17. ዳዊት ድማ ንኣምላኽ በሎ፡ ኣነ ደይኰንኩን እቲ ህዝቢ ኪቚጸር ዝበልኩ፧ ኣነ እየ ዝኣበስኩን ነቲ ብዙሕ ክፋእ ዝገበርኩን፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር፡ ናብ ህዝብኻስ ንምቕዛፉ ኣይትኹን።

18. ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፡ ንዳዊት፡ ንሱ ደይቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኬቚመሉኢሉ ኺነግሮ ኣዘዞ

19. ዳዊት ከኣ በቲ ጋድ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ደየበ

20. ኦርናን ድማ ግልጽ በለ፡ ነቲ መልኣኽ ከኣ ረኣዮ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሐብኡኦርናን ግና ስርናይ የኽይድ ነበረ።

21. ዳዊት ናብ ኦርናን ምስ መጸ ኸኣ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ፡ ካብቲ ዓውዲ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍኤ

22. ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኪኽልከልንእግዚኣብሄር ኣብኣ መሰውኢ ኽሰርሓሉስቦታ እዚ ዓውዲ ሀበኒ፡ ንእኡ ብምሉእ ዋጋ ሀበኒ፡ በሎ

23. ኦርናን ከኣ ንዳዊት፡ ንኣኻ ውሰዳጐይታይ ንጉስ ነቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበርእንሆ፡ እዞም ኣብዑር ንዚሐርር መስዋእቲ፡ ሰረገላታት ከኣ ንዕጨይቲስርናይውን ንመስዋእቲ ብልዒ እህብ፡ ኲሉ ሂበ አሎኹ፡ በሎ

24. ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ ኣይፋል፡ ንእግዚኣብሄር ኢለስ ናትካ ዝዀነ ኽወስድ ኣይደልንንዚሐርር መስዋእቲ ድማ ዋጋ ዜብሉስ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብርግጽ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽሻየጣ እደሊ አሎኹ፡ በሎ

25. ዳዊት ከኣ ንኦርናን ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ሀቦ

26. ዳዊት ድማ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ኣዕረገ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ፡ ንሱ ኸኣ ብሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰዊኢ ምሕራር ካብ ሰማይ ምላሽ ሀቦ።

27. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ ሴፉ ናብ ሰገባኣ መለሳ

28. በታ ጊዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ምላሽ ከም ዝሀቦ ምስ ረአየ፡ ኣብኡ ሰውኤ

29. እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር እግዚኣብሄር እቲ መሰውኢ ምሕራርንሲ በቲ ጊዜ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ እዩ ዝነበረ።

30. ግናኸ ዳዊት ብዛዕባ እታ ሴፍ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሄንኣምላኽ ኪደልዮ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን