1. ኰነ ድማ፡ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጽሉ ጊዜዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ዓሞን ኣጥፍኣመጺኡ ኸኣ ንራባ ኸበባዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ዮኣብ ከኣ ንራባ ሰዐራ እሞ ኣፍረሳ

2. ዳዊት ድማ ነታ ዘውዲ ንጉሶም ካብ ልዕሊ ርእሱ ወሰዳሚዛና ኸኣ ሓደ ታለንት ወርቂ ምዃኑ ረኸቦክቡራት ኣዕናቚ ድማ ነበርዋ። ናብ ርእሲ ዳዊት ከኣ ተነብረትካብታ ኸተማ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ

3. ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖምዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ

4. ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ተላዕለ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሺጳይ ቀተሎ። ንሳቶም ከኣ ተገዝኡ

5. ከም ብሓድሽ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ፡ ኤልሓናን ወዲ ያዒር ከኣ ንላሕሚ ሓው ጐልያድ፡ እቲ ጋታዊቀተሎ፡ ንሱ እቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ እዩ።

6. ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሹድሽተ፡ ማለት ዕስራን ኣርባዕተን ኣጻብዕ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ሬፋ እተወልደ እዩ።

7. ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታንወዲ ሺምዓያ ሓው ዳዊትቀተሎ

8. እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላውኡን ከኣ ወደቑ