1. ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል፡ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ሓላቑ እቶም ንንጉስ ዜገልግሉ ኽፍልታትን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስን ናይ ደቁን ኲሉ ገንዘቡን ከብትን ምስቶም መኳንንትን ጀጋኑን፡ ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም

2. ሽዑ ንጉስ ዳዊት በእጋሩ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይንስምዑኑ፡ ኣነ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ነታ ድኳ እግሪ ኣምላኽናን ቤት ዕረፍቲ ኽሰርሕ ኣብ ልበይ ነበረኒ፡ ንምስራሕ ዚኸውን ከኣ ኣዳሎኹ

3. ኣምላኽ ግና፡ ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ኢኻ፡ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይትሰርሓሉን ኢኻ፡ በለኒ

4. ግናኸ ንይኑዳ መስፍን ኪኸውን ሐረዮ፡ ኣብ ቤት ይሁዳውን ቤት ኣቦይ፡ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ኣቦይ ከኣ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኬንግሱኒ ብሂጉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ብዘላ ቤት ኣቦይ ሐረየኒ

5. ካብ ኲሎም ደቀይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ እሞ፡ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን መንግስቲ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪቕመጥ ሐረዮ

6. በለኒ ድማ፡ ወድኻ ሰሎሞን፡ ንእኡ ወደይ ኪዀነኒ፡ ኣነውን ኣቦኡ ክዀኖ ሐርየዮ እየ እሞ፡ ንሱ ቤተይን ኣጸዳተይን ኪሰርሕ እዩ።

7. ንሱ ኸምቲ ሎሚ ዘሎ ንትእዛዛተይን ፍርድታተይን ንምግባሩ እንተ ጸንዔ ኸኣ፡ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓ እየ።

8. ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል እዛ ማሕበር እግዚኣብሄር እናሰምዖ፡ ነዛ ጽብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትወርስዋንደቅኹምውን ድሕሬኹም ንዘለኣለም ከተረስትይዎም፡ ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሐልውዎን ድለይዎን

9. ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎእግዚኣብሄር ንዂሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዂሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስኪርከበልካ እዩ። እንተ ሐደግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።

10. ሕጂስ ተመልከትንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሐርዩካ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ስራሕን

11. ዳዊት ድማ ምስሊ ገበላ መቕደስን ኣባይቱን መዛግቡቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን ነቲ ናይ መኽደን መተዓረቒ ቦታን ንወዱ ሰሎሞን ሀቦ

12. ናይቲ ብመንፈስ ዝነበሮ ዂሉ፡ ናይ ኣጸዳት ቤት እግዚኣብሄርን ናይተን ብዙርያ ዚዀና ዂለን እቃቤታትን ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ምስሊ ድማ ሀቦ።

13. ቀጺሉ ኸኣ ናይ ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንንኲሉ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፡

14. ብመጠን ሚዛን ወርቂ ናይ ኣቓሑ ወርቂ፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ዂሉ ኣቓሑ፡ ብሩር፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዚኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡

15. ሚዛን ድማ ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚታት ቀንዲልን ናይ ወርቂ ቕልዒታቱንሚዛን ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን፡ ሚዛን ከኣ ነቲ ናይ ብሩር ቀዋሚታት ቀነዲል፡ ከከም ምግልጋል እቲ ቐዋሚ ቐንዴል፡ ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን ሚዛን ሀቦ።

16. ድማ ነቲ ሰደቓታት እንጌራ ምርኣይ፡ ነንሰደቓ ዚኸውን ወርቂ ብሚዛንንሰደቓታት ብሩር ከኣ ብሩር ሀቦ።

17. ድማ ንሻኳታትን ጭሔሎታትን ኲስኲስትታትን ዚኸውን ጽሩይ ወርቂ፡ ንናይ ወርቂ ጽዋኣትውን ነንጽዋእ ብሚዛን፡ ንናይ ብሩር ጽዋኣት ከኣ ነንጽዋእ ብሚዛን ሀቦ።

18. ነቲ መሰውኢ ዕጣን ዚኸውን እተዀልዔ ወርቂ ድማ ብሚዛንንምስሊ እቲ ሰረገላውን ማለት እቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚኸድኑ ኪሩቤል ወርቂ፡ ሀቦ።

19. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ብጽሕፈት ካብ ኢዱ ንኣይ ናይ እዚ ምስሊ ስራሕ ኲሉ ኸም ዘስተውዕሎ ገበረኒ፡ በለ።

20. ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ፡ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን ስራሕንኣይትፍራህኣይትሸበር ከኣ። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዚኸውን ኲሉ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ንሱ ኣይኪጠልመካን ኣይኪሐድገካን ከካ እዩ።

21. እቶም ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዚዀኑ ኽፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ድማ እነው። ኣብ ኲሉ ስራሕውን ንዝዀነ ዘበለ ዓይነት ዕዮ ፍቶትን ጥበብን ዘለዎም ሰባት ምሳኻ ዚዀኑ፡ እቶም ሓላቑን ብዘሎ እቲ ህዝብን ድማ ንዂሉ ትእዛዝካ ድልዋት እዮም።