1. ኣዳምሴትኤኖሽ

2. ቀይናንማሃላልኤልያሬድ

3. ሄኖክማቱሳላላሜክ

4. ኖህሴምካምያፌትውን

5. ደቂ ያፌትጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን መሴክን ቲራስን

6. ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽክናዝን ዲፋትን ቶጋርማን

7. ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ታርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን

8. ደቂ ካምኩሽን ሚስራዪምን ጱጥን ከነኣንን

9. ደቂ ኩሽ ከኣ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብትካን። ደቂ ራዕማ ድማ፡ ሼባን ዴዳንን

10. ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን ጀመረ

11. ሚስራዪም ከኣ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን

12. ንጳትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ።

13. ከነኣን ድማ ንሲዶን በዂሪ ወዱን ንሔትን

14. ንይብሳውያንን ንኣሞራውያንን ንገርጌሳውያንን

15. ንሃዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲናውያንን

16. ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ።

17. ደቂ ሴምዔላምን ኣሶርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን ኡጽን ሑልን ጌተርን ሜስክን

18. ኣርፋክሳድ ከኣ ንሻላሕ ወለደሻላሕውን ንዔበር ወለደ።

19. ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉስም እቲ ሓደብዘመኑ ምድሪ ስለ እተመቕለትፋሌግ ተባህለ፡ ስም ሓው ኸኣ ዮቅጣን እዩ።

20. ዮቅጣን ድማ ንኣልማዳድን ንሻሌፍን ንሓጻርማዌትን ንያሕን

21. ንሃዶራምን ንዑዛልን ንዲቅላን

22. ንዔላልን ንኣቢማኤልን ንሼባን

23. ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።

24. ሴምኣርፋክሳድሻላሕ

25. ዔበርፋሌግራጉ

26. ሰሩግናሆርታራ

27. ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ።

28. ደቂ ኣብርሃምይስሃቅን እስራኤልን

29. ወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን

30. ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን

31. የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም።

32. ደቂ ቄጡራሰበይቲ ወሰን ኣብራሃም ድማ፡ ንሳ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንመዳንን ንሚድያንን ንዪሽባቅን ንሿን ወለደት። ደቂ ዮቅሻን ከኣ፡ ሼባን ዴዳንን

33. ደቂ ምድያን ድማ፡ ዔፋን ዔፈርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ቄጡራ እዮም።

34. ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወለደደቂ ይስሃቅ ድማ፡ ኤሳውን እስራኤልን

35. ደቂ ኤሳውኤሊፋዝን ረጉኤልን የኡሽን ያዕላምን ቆራሕን

36. ደቂ ኤሊፋዝቴማንን ኦማርን ጸፊን ጋዕታማን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን

37. ደቂ ረጉኤልናሓትዜራሕሻማሚዛ ድማ።

38. ደቂ ሴዒር ከኣ፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን

39. ደቂ ሎጣን ድማ፡ ሖሪን ሆማምንሓብቲ ሎጣን ከኣ ቲምና እያ።

40. ደቂ ሾብልዓልያንን ማናሓትን ዔባልን ሸፊን ዖናምን። ደቂ ጺብዖን ድማ፡ ኣያን ዓናን

41. ደቂ ዓናዲሾን። ደቂ ዲሾን ከኣ፡ ሓምራንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን እዮም።

42. ደቂ ኤጸርቢልሓንን ዛዓዋንን ያዓቃንን። ደቂ ዲሻንዑጽን ኣራንን

43. እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ቅድሚ ዝነገሱ ነገስታት ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ቤላ ወዲ ቤዖርስም ከተምኡ ድማ ዲንሃባ ነበረ።

44. ቤላ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ነገሰ

45. ዮባብ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሑሻም ካብ ሃገር ቴማናውያን ነገሰ

46. ሑሻም ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ ነገሰስም ከተማኡ ኸኣ ዓዊት ነበረ።

47. ሃዳድ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ነገሰ

48. ሳምላ ድማ ሞተሻኡል ካብታ ኣብ ርባ ዘላ ሬሖቦት ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

49. ሻኡል ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ በዓል-ሓናን ወዲ ዓክቦር ነገሰ

50. በዓል-ሓናን ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሃዳድ ነገሰስም ከተማኡ ድማ ጳዒ ነበረ፡ ስም ሰበይቱውን ምሄጣብኤልጓል ማጥሬድ፡ ጓል ሜ-ዛሃብ እያ።

51. ሃዳድ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ኤዶም ሹማምቲ ዀኑ፡ ሹም ቲምና፡ ሹም ዓልያሹምየቴት

52. ሹም ኦሆሊባም፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ጲኖን

53. ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር

54. ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤዶም እዮም።