ንምሕረት ባይታ ረኺበ

Posted on 2012-01-31 · 1211 · 0 · 0

107 resources uploaded

ሰብ ኮይነ
ከም ሰብ ኪነብር
ምስ ሰብ ሓቢረ
ተደጊፈዮ ኪድገፈኒ
ተጸጊዐዮ ኪጽጋዓኒ
እንተኾነ ተወጊኤ እሾኽ ኮይኑኒ።

ኣይረባሕኩን ተበዲለ
ናብ ሰብ ምቕራበይ
ኣይከሰብኩን ተጐዲኤ
ጽቡቕ ምሕሳበይ።

“ዓይነይ ካብ ወጻእኩ
ዘየውጽእ ዓይኒ
ስነይ ካብ ተሰብረ
ዘየኽፍል ስኒ”
ኢለ ሓሲበ።

ግን ...
እሾኽ ኮይነ ምስ እሾኽ ምንባረይ
በሪሁለይ ምስጢር
ባይታ’የ ረኺበ
ትዕድልተይ ክዕድል
ከም እተመሓርክዎ
ምርካበይ ዝምሓር !!

“...ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለኩም
ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ!!”
ቈሎ 3.13

0 comments
Other Poem