ዓወተይ የሱስ

Posted on 2012-03-03 · 706 · 0 · 0

8 resources uploaded

እቲ ብዓወት ዘስገረኒ
ኣብ ልዕሊ ጸላእተይ ዘዘመረኒ
ብሓድነት ፍቕሪ ዘዐመረኒ
የሱስሰይ ኢዩ ኩሉ ዝኾነኒ።

ክሲ የለን ካብ’ቲ ከሳሲ
ምስትምሳል ቅዛነት ካብቲ ወቃሲ
ይኽበር የሱስሰይ 'ቲ ዝሃበኒ መልሲ
ነጊሱ’ዩ የሱስሰይ እቲ ናይ ህይወተይ ቀላሲ

ነዳፍይዶ ክብሎ ናይ ህይወተይ መራሒ
ዘውጻኣኒ ዘናገፈኒ ካብቲ መንዛዒ
ንጸሃያየይ ኩሉ ብቃሉ ኣባራዒ

ንቕድሚት ኽጥሕስ ንሽግረይ ኽዘሎ
ፍጹም ከምዘይነበረ የሱስዩ ዝገብሮ
ቁልቁለት ኮሮብታ ኩርኳሕ ውን እንተሎ
ብኸሙኡ ኢዩ ኣፍቒሩኒ ይካኣሎ ጥራይ ክብሎ።

ናይ ምድሪ ፈላጣት ክበጽሕዎ ዘይክእሉ
መስተንክርን ግርም’ዩ ፍቕሩ ኣብ ኩሉ
ብቃሉ ይኹን ምስበለ ንኹሉ
ይርኢ ኣለኹ ፍጥረታት ኩሎም ከምልኽሉ።

ሰላም ንዝሰአነ እፎይታ ትህቦ
ብሓይሊ መንፈስካ ተጽልሎ ትኸቦ
ምኽርኻ ሰናዩ እትህቦ ፍቅሪ አቦ
ኩሉ ይስገር ብአኻ ዘይሴነካ አልቦ

0 comments