ኣነ መን እየ፧

Posted on 2015-06-28 · 1876 · 0 · 0

33 resources uploaded

ካብታ ብNeil T. Anderson እተጻሕፈት፡ The Bondage Breaker እትብል መጽሓፍ እተወስደ

ኣነ ጨው ምድሪ እየ።
ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ማቴ 5፡13
ኣነ ብርሃን ዓለም እየ።
ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። ማቴ 5፡14
ኣነ ውሉድ ኣምላኽ እየ።
ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ዮሃ 1፡12
ኣነ ክፋል እቲ ሓቀይና (ሓቀኛ) ወይንን ፣ ካናለ ህይወት ዘክርስቶስን እየ።
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዘፈሪ። ዮሃ 15፡5
ኣነ ማሕርር ዓርኪ ክርስቶስ እየ።
እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ዮሃ 15፡15
ኣነ ፍሪኡ ምእንቲ ከፍሪ ብክርስቶስ እተሓረኹን እተመደብኩን እየ።
ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። ዮሃ 5፡16
ኣነ ባርያ (ግዙእ/ቲ) ጽድቒ እየ።
ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሃብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። ሮሜ 6፡18
ኣነ ንኣምላኽ እተገዛእኩ (ባርያ ዝዀንኩ) እየ።
ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሮሜ 6፡22-23
ኣነ ወዲ/ጓል ኣምላኽ እየ። ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣቦይ እዩ።
ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ሮሜ 8፡14-15 ብተወሳኺ ገላ 3፡26 ን 4፡6 ርአ።
ኣነ ምስኡ ኰይነ ውርሻኡ ዝማቐል፣ ንክርስቶስ መዋርስቱ እየ።
ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። ሮሜ 8፡17
ኣነ መቕደስ--ማሕደር--ኣምላኽ እየ። ህይወቱን መንፈሱን ኣባይ ሓዲሩ ኣሎ።
ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 1 ቈረ 3፡16 ብተወሳኺ 6፡19 ርአ
ኣነ ምስ ጐይታ ዝለገበን (ዝጠበቐን) ምስኡ ሓደ መንፈስ ዝዀነን’የ።
እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። 1 ቈረ 6፡17
ኣነ ኣካል ክርስቶስ እየ።
እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። 1 ቈረ 12፡27 ብተወሳኺ ኤፈ 5፡30
ኣነ ሓድሽ ፍጥረት እየ።
ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ። 2 ቈረ 5፡17
ኣነ ምስ ኣምላኽ እተዓረቕኩን ኣገልጋሊ ዕርቅን እየ።
እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። 2 ቈረ 5፡18-19
ኣነ ወዲ/ጓል ኣምላኽን ብክርስቶስ ሓደን እየ።
ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። ገላ 3፡26-28
ኣነ ውሉድ ኣምላኽ ስለ ዝዀንኩ ወራሲ እየ።
ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ። ገላ 4፡6-7
ኣነ ቅዱስ እየ።
ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ
የሱስ እሙናትን፥ ኤፈ 1፡1 ብተወሳኺ 1 ቈረ 1፡2, ፊሊ 1፡1, ቈሎ 1፡2
ኣነ ተግባር ኣእዳው ኣምላኽን፡ ስራሑ (ተግባሩ) ክሰርሕ ከም ብሓድሽ ብክርስቶስ እተወለድኩ እየ።
ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና። ኤፌ 2፡10
ኣነ ወዲ ዓዶም ንስድራ ኣምላኽ እየ።
እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኤፌ 2፡19
ኣነ እሱር ዘክርስቶስ እየ።
ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ኤፌ 3፡1 ብተወሳኺ 4፡1
ኣነ ቅዱስን ጻድቕን እየ።
እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። ኤፌ 4፡24
ኣነ ኣብዚ ሰዓት’ዚ (ሕጂ) ኣብ ሰማይ እተቐመጠ ሰማያዊ ዜጋ እየ።
ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና። ፊሊ 3፡20 ብተወሳኺ ኤፌ 2፡6
ኣነ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ እተሰወርኩ እየ።
መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ቈሎ 3፡2-3
ክርስቶስ ህይወተይ ስለ ዝዀነ፣ ኣነ መግለጺ ወይ መንጸባረቒ ህይወት ክርስቶስ እየ።
ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም። ቈሎ 3፡4
ኣነ ብኣምላኽ እተመረጽኩ፡ ቅዱስን እምብዛ እተፈቕረን እየ።
እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ቈሎ 3፡12, ብተወሳኺ 1 ተሰ 1፡4
ኣነ ወዲ/ጓል ብርሃን እምበር ወዲ/ጓል ጸልማት ኣይኰንኩን።
ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። 1ተሰ 5፡4-5
ኣነ ቅዱስ ተማቓሊ ሰማያዊ ጻውዒት እየ።
ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። እብ 3፡1
ኣነ ተማቐሊ ክርስቶስ እየ። ኣብ ህይወቱ ተማቓሊ እየ።
ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና አሎና። እብ 3፡14
ኣነ ኣብ ክርስቶስ እተነድቀ መንፈሳዊ ቤት ስለ ዝዀንኩ፣ ሓደ ካብቶም ህያዋን ኣእማን ኣምላኽ እየ።
ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ። 1ጴጥ 2፡5
ኣነ ኣባል ሕሩይ ወለዶ፡ መንግስቲ ዘክህነት፡ ቅዱስ ህዝብን ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝብን እየ።
ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። 1 ጴጥ 2፡9
ኣነ ኣብዛ ንግዝያዊ ዝነብረላ ዘለኹ ዓለም፣ጋሻን መጻእተይናን (መጻእተኛን) ወይ ስደተይና (ስደተኛ) እየ።
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። 1ጴጥ 2፡11
ኣነ ጸላኢ (ተጻይ) ድያብሎስ እየ።
ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። 1ጴጥ 5፡8
ኣነ ውሉድ ኣምላኽ እየ፣ ክርስቶስ ምስ ተመልሰ ድማ ንእኡ (ንዕኡ) ክመስል እየ።
ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና። 1 ዮሃ 3፡1-2
ኣነ ካብ ኣምላኽ እተወለድኩ ስለ ዝዀንኩ፣ እቲ እኩይ ማለት ድያብሎስ ኣይትንክየንን ወይ ክትንክየኒ ኣይክእልን እዩ።
እቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና። 1 ዮሃ 5፡18
ኣነ ምሉእ ብምሉእ እተሓድገሉን (ሓጥያቱ ይቕረ እተባህለሉ ወይ እተሰረየሉ) ዝጸደቐን እየ።
እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ሮሜ 5፡1
ኣነ ምስ ክርስቶስ ዝሞተን ንሓይሊ መግዛእቲ ሓጥያት ኣብ ህይወተይ ዝሞተን እየ።
እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። ሮሜ 6፡1-7
ኣነ ካብ ኵነኔ ንዘለኣለም ሓራ ዝዀንኩ ሰብ እየ።
እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። ሮሜ 8፡1
ኣነ ብግብረ-ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ተነቢረ ኣለኹ።
ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዚብሎ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም። 1 ቈረ 1፡30
ኣነ ነቶም ካብ ኣምላኽ ብናጻ (ነጻ) እተቐበልኩዎም ነገራት ንኽፈልጦም፣ ኣብ ህይወተይ መንፈስ ኣምላኽ ተቐቢለ ኣለኹ።
ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 1 ቈረ 2፡12
ኣነ ኣእምሮ ክርስቶስ እተዓደለ ሰብ እየ።
ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ። 1 ቈረ 2፡15-16
ኣነ ብዋጋ እተዓደግኩ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነን ንኣምላኽ ዝብጽሖን (ብኣምላኽ ዝውነንን) እየ።
ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። 1 ቈረ 6፡19-20
ኣነ ብኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ጸኒዐ (ቈይመ)፡ ተቐቢአን ተሓቲመን ኣለኹ። ብተወሳኺ፡ ንዝመጽእ ውርሻይ ውሑስ ንምግባር፣ ዕርቡን መንፈስ ተዋሂበ ኣለኹ።
ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ
ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ። 2 ቈረ 1፡21 ብተወሳኺ ኤፌ 1፡13-14 ርአ
ኣነ ሞይተ ስለ ዝዀንኩ፣ ደጊም ንክርስቶስ እምበር ንገዛእ ርእሰይ ኢለ ኣይነብርን እየ።
እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። 2 ቈረ 5፡13-15
ኣነ ጸዲቐ ኣለኹ።
ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና። 2 ቈረ 5፡20-21
ኣነ ምስ ክርስቶስ ስለ እተሰቐልኩ፣ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ፣ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ።
ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ። ገላ 2፡20
ኣነ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት እተባረኸ ሰብ እየ።
እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። ኤፌ 1፡3
ኣነ ቅዱስን ኣብ ቅድሚኡ ኣበር ዘይብሉን ንኽዀውን፣ ኣብ ክርስቶስ ቅድሚ ምስራት ዓለም እተሓረኹ እየ።
ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ ኤፌ 1፡4
ኣነ ወዲ/ጓል ኣምላኽ ክዀውን እተራዕመ--ቅድም እተመደበ--ብኣምላኽ እተወሰነ እየ።
በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። ኤፌ 1፡5-6
ኣነ ምስ ክርስቶስ ህያው ኰይነ ኣለኹ።
ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም: ኤፌ 2፡5


(ትርጕም ጐይትኦም ተስፋይን ሙዚት ግርማይን)

0 comments
Other Article