ጉዳይ ኣሎካዶ?

Posted on 2014-08-07 · 1295 · 0 · 0

3 resources uploaded

ጉዳይ መሪሕነት ምምራሕ ኣይኮነን፡ ብፍጹም፡ መራሕቲ ቀንዲ ጉዳዮም ምምራሕ እንተኾይኑ ሃገር/ማሕበር ጠፈአት እዩ ዘብል። መን ይነብር መሪሕነት። ሓቀኛ መራሕቲ ብቕዳምነት ዝሓስቡ ብዛዕባ መሪሕነት ኣይኮነን። ስለ ህዝቢ፡ ስለ ሂወት፡ ብዛዕባ ሎሚ ብዛዕባ ጽባሕ፡ ስለ ብዙሓት ጽባሕቲ እዮም ዝሓስቡ። ንባዕሉ ብዛዕባ መሪሕነት ሓሲቦም ኣይፈልጡን። ናብ ዕላምኦም ክምርሹ እንከለዉ ንእግረ መንገዶም ከምዝረኸብዎ ብምቑጻር ከም ኣስተዉዓሊ ጎረቤት ብብልሓት ይሕዝዎ፡ ይጥቀምሉ፡ የዕብይዎ፡ ይሰርሕሉ ሓደ ሓደ እዋን ምስኦም ከምዘሎ ልቢ ከይበሉ ናብ ዕላምኦም ክምርሹ እንከለዉ መራሕቲ ኮይኖም እዮም እሞ ይገጥምዎ እንበር ኢድ ኣይህቡን፡ ኣየቀባጥሩሉን፡ ኣይሰጉድሉን። ብዘይ መሪሕነት ጉዳዮም ኣብ ዕላማ ዝበጽሕ እንተኾይኑ ንባዕሉ እዚ መሪሕነት ዝበሃል "ደፋር ጐይታ" ከምይ ዊዒልካ ከይበሉ ገዲፈሞ ክኸዱ ይኽእሉ።

ጉዳይ መሪሕነት ሰብ እዩ፡ ናይ ሰባት ተሓባቢርካ ምዕባይ፡ ልምዓት ሰባት፡ ኩልንትናዊ ምብጻሕ ደቅሰባት። እግዝኣብሄር ኣምላኽ መራሕቲ ዘድለይዎ ንሰባት ክብል እዩ። ሰባት ንዕኡ ክፈልጥዎ፡ ብፍልጠት ህይወቶም ክትልምልም፡ ዘላእለማዊ ዕጭኦም ክጽብቕ፡ቅድመ ዘላእለም ዘሎ ሂወቶም ክሰምር።

"ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ? ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፣ ጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፣ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፣ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፣ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፣ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፣ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ።"

ብመገዲ ነብዩ ህዝቅኤል 34.2-5 እንበኣርከስ ብዘየዋላዉል ቋንቋ ናይ ጓሶት ጉዳይ ምስ ኣባጊዕ ከምዝኾነ ተፈሊጡን ተገሊጹን። ኣባጊዕ እንታይ ከይኮኑ እንተተባህለ እቲ መልሲ ፍሉጥ እዩ። ኣብቲ ሳዕሪ ዘለዎ ቦታ ክወፍራ፡ ክበልዓ፡ ክብርትዓ፡ ክስበራ ከለዋ ክጽገና፡ ክይጠፍኣ ክምለሳ፡ ምስጠፍኣ ክናደያ።

በዚ ናይ ጉስነት ጥበብ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ጓሳ/መራሒ ዝኾነሉ ዕላማ መራሒ ክኽዉን ከምዘይኮነ ገሊጹ፡ ግናኸ እቲ ቀንዲ ዕላምኡ ምሕዳስ/ምልዋጥ ሂወት ደቅሰባት ከም ዝኾነ ኣበሲሩ። "...እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ"። ዮሃንስ 10.10-11

መራሕቲ ክትኮኑ ትደልዩ ወይ መራሕቲ እትብሃሉ ወይ’ዉን ስለ መሪሕነት እትሓስቡ ጉዳይኩም እንታይ እዩ?

0 comments
Other Article