መገዲ እግዚኣብሄር

Posted on 2012-01-17 · 1605 · 2 · 0

107 resources uploaded

“ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ መሃረኒ፣ ስምካ ክፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ።” (መዝ.68.11)

ሓደ ወላዲ ንወዱ ‘ሎሚ መዓልቲ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት እንታይ ተማሂርኩም?’ ኢሉ ሓተቶ። እቲ ህጻን ድማ በቲ ጸያፍ ላዛ ዘለዎ ዘረባኡ ከምዚ ኢሉ ነቲ ተመሃሮ ክትርኽ ጀመረ።

“ሓደ ሄኖክ ዝብሃል ሰብኣይ ዓርኪ ኣምላኽ ኔሩ። ክልቲኦም ኣዚዮም ዝፋተዉ የዕሩኽ እዮም ኔሮም። ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ናይ ምሸት ናብ እንዳ ሄኖክ ገዛ ይመጽእ እሞ ተተሓሒዞም እንዳዕለሉ ይኸዱ። ነዊሕ ምስ ተጉዕዙ ቻው ተበሃሂሎም ነናብ ገዝኦም ይኸዱ ኔሮም። ን300 ዓመት መዓልቲ መዓልቲ ከምኡ ይገብሩ ኔሮም። ብድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ከም ልማዱ ናብ እንዳ ሄኖክ ገዛ መጺኡ ‘ሄኖክ ንዓናይ እንዳዕለለና ንኺድ።’ በሎ። ሄኖክ ድማ ‘ሕራይ።’ ኢሉ ከም ልማዱ ምስ ኣምላኽ እናዕለለ ክኸይድ ጀመረ። ብሓንሳብ ኮይኖም እናዕለሉ ይኸዱ ይኸዱ ኔሮም። ዕላል መቂርዎም ስቕ ኢሎም ይኸዱ ይኸዱ ኔሮም። ሽዑ ካብ ገዛ እንዳ ሄኖክ ኣዚዮም ክርሕቁ ጀመሩ። ድሕሪ ነዊሕ ዕላልን ጉዕዞን ጸሓይ ክትዓርብ ቀረበት። ንሶም ግና ዕላል መቂርዎም ይጉዓዙ ነበሩ። ጸሓይ ክትዓርብ ምስ ጀመረት ግና ሄኖክ ‘ሕጅስ ንሎሚ ይኣኽለና ጽባሕ ክንቅጽሎ ንገዛ ክምለስ።’ በሎ። ኣምላኽ ግና ‘ሕጂ ደኣ እሞ ጸሓይ ክትዓርብ ጀሚራ እንድያ፣ ካብ ንገዛኻ ምምላስ ድማ ናብ ገዛይ ምኻድ ይቐርብ፣ ስለዚ ሎሚ ምሳይ ናብ ገዛይ ክትኸይድ ኢኻ።’ በሎ። ተተሓሒዞም ናብ እንዳ ኣምላኽ ገዛ ኸዱ። ብድሕሪኡ ሄኖክ ናብ ዓዱ ኣይተመለሰን።”

ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ማለት ብመገዲ ኣምላኽ ምምልላስ ማለት ስለዝኾነ ንመገዲ ኣምላኽ ምፍላጥ የድሊ። ሄኖክ መገዲ ኣምላኽ ዝፈልጥ ዝነበረ ሰብ እዩ። ምስ ኣምላኽ ድማ ተመላለሰ። ካልእት ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት እውን ኣለዉ ምስ ኣምላኽ እተመላለሱ። ገሊኣቶም ድማ ከም እኒ ንጉስ ዳዊት ምስ ኣምላኽ ናይ ምምልላስ ጽምኦም ንኸርውዩ ‘ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ መሃረኒ’ ኢሎም ጸለዩ። ሙሴ ድማ ‘... በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ።...’ ኢሉ ንኣምላኽ ለመኖ። (ዘጸ.33.13) እቲ ልመና ባሮቱ ዘይንዕቅ ኣምላኽ ድማ ጸሎቱ ሰሚዕ መለሰሉ፣ ‘መገድታቱ ንሙሴ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።’ (መዝ.103.7)

ምስ ኣምላኽ ምምልላስ ናይ ዘልኣለም ናብራ ወይ ጉዕዞ እዩ። እዚ ናብራ ወይ ጎዕዞ ድማ ኣብዛ ምድሪ እንከሎና ዝጅመር ደኣ እምበር ድሕሪ ሞት እንጓዓዞ ጉዕዞ ኣይኮነን። ከም ሄኖክ መዓልታዊ ክንጓዓዞ ዘሎና ጉዕዞ እዩ። ኣብ ቤተክርስትያን መጺእና እንጓዓዞ ዘይኮነስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፣ ኣብ ሓዳርና፣ ኣብ ስራሕና፣ ኣብ ትምህርትና ኣብ ምእትውና ኮነ ኣብ ምውጻእና ኣብ ኩሉ ቦታ እንጓዓዞ ጉዕዞ እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ንዘልእለም ይቕጽል።

ጸሎት-
ዎ ኣምላኸይ ምሳኻ ክመላለስ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ህይወተይ ንዓኻ ከኽብር ድሌተይ እዩ’ሞ መገድኻ መሃረኒ። ኣሜን!!

0 comments
Other Article