ደራሲ ህይወት

Posted on 2012-11-12 · 1330 · 0 · 0

11 resources uploaded

“ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡… እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ።“ ዮሃ 1፡1, 14
ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ሰደቓ ድሕሪ ምቕማጥ፡ እቲ ደራሲ ነቲ ዓብዪ መዝገብ ፈትሖ። ቃላት ኣይነበሮን። ቃላት ዘይነበረሉ ምኽንያት ገና ቃላት ሽዑ ኣይተፈጥሩን ነበሩ። ቃላት ኣድላይነት ስለ ዘይነበሮም ቃላት ኣይተፈጥሩን። ነቶም ቃላት ዘዳምጹ ኣእዛን ወይውን ዝርእዩ የዒንቲ ስለ ዘይነበሩ ቃላት ኣድላይነት ኣይነበሮምን። እቲ ደራሲ በይኑ ጥራይ ደኣ ነበረ።

ነቲ ዓብዪ ብርዒ ክንቲት ወሰዶ እሞ ናብቲ ኣብ የማኑ ዝነበረ ብልቃጥ ቀለም እንዳ ኣጥለቐ ክጽሕፍ ጀመረ። ከምቲ ቀባኣይ ቅብኣ ሕብርታቱ ዘዋድድ፡ ብልሓተና ጸራቢውን ናውቱ ዝኣኻኽብ እዚ ደራሲ እዚ ድማ ነቶም መሳርሒኡ ዝኾኑ ቃላቱ ኣብ ገጻት እቲ ዓብዪ መዝገብ ምስራዕ ተተሓሓዞ።

ሰለስተ እየን። ሰለስተ ንጽል ቃላት። ካብዘን ሰለስተ ቃላት እልፊ ኣእላፍ ሓሳባት ክውሕዝ እዩ። ግናኸ ኣብዘን ሰለስተ ቃላት ድማ ብዘሎ እቲ ድርሰት ይንጥልጠል።

ብርዑ ወሲዱ ነታ ቐዳመይቲ ቃል ጸሓፈ፡ - ግ - ዜ -
ክሳዕ እቲ -ግ-ዜ- ኢሉ ዝጽሕፍ ግዜ ኣብ ህላውነት ኣይነበረን። ንሱ ንባዕሉ እኳ ግዜ ኣልቦ እንተ ነበረ፡ ነቲ ድርሰቱ ግና ኣብ ሽፋን ግዜ ደረቶ። ድሕርዚ ጸሓይ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ድርሰት በረቐት ፡ ንፋስውን ፈላሚ ሽውሽውታኡ ኣስመዐ። ብመጀመርታ… እቲ ድርሰት ወሓዘ… ተፈጸመ። ናይ መወዳእታ ምዕራፍ። ንነፍሲወከፍ ምዕራፍ ገና ከይጸሓፋ እንከሎ ይፈልጣ ነበረ።

-ግ-ዜ-፡ እቲ ደራሲ ኣብቲ ንየማነ ጸጋም ዝዝርጋሕ ደረት ኣልቦ ቁመት ዘልኣለም ኮይኑ ምስ ተዓዘቦ ንግዜ ሱግሚ ጥራይ ኮይኑ ረኸቦ። ብቐስታን ብዓብዪ ፍቕሪ ዘተመልኦ ጥንቃቐን እቲ ደራሲ ነታ ካልኣይቲ ቃል ክጽሕፋ ጀመረ። እዚኣ ስም ነበረት። - ኣ - ዳ - ም - ።

ነዛ ቃል እዚኣ ክጽሕፋ እንከሎ፡ ንማንነት ኣታ ቓል ብዓይነ ሕልናኡ ተመልከቶ፡ ነቲ ቀዳማይ ኣዳም፡ ኣብ ሕቖ እዚ ኣዳም እዚ ድማ ንብዘለዉ ንኹሎም እቶም ዝተረፉ ተመልከቶም። ንነፍሲወከፍ ኣዳም፡ ንነፍሲወከፍ ህጻን፡ ንእለቱ ኣፍቀሮም ንዘልኣለምውን ኣፍቀሮም። ንነፍሲወከፎም ግዜ ሃቦም፡ ንነፍሲወከፎምውን ዝነብሩሉ ቦታ መረጸሎም። ብድንገት ዝኾነ ነገር ኣይነበረን፡ ኣግጣሚ ዘጋጠመ ምግጣምውን ኣይኮነን፡ ብዕላማ ዝተገብረ ንድፊ ደኣ ነበረ።

እቲ ደራሲ ነቶም ገና ናብ ህላውነት ዘይተወልዱ ከምዚ ብምባል ተመባጽዓሎም፡ “ብመልክዓይን ብምስለይን ክገብረኩም እየ፡ ንዓይ ክትመስሉ ኢኹም፡ ክትስሕቁ፡ ክትዓዩ፡ ክትደርሱ ፡ ኣይክትሞቱን ድማ ኢኹም።“

ነፍሲወከፎም ክደርስ ግዴታ እዩ፡ ምኽንያቱ ህይወት ርእሳ ዝኸኣለት ድርሰት እያ፡ እትንበብ ዘይኮነት እትጸሓፍ ድርሰት። እቲ ደራሲ ንመእተዊ ነፍሲ ወከፍ ህይወት ይጽሕፍ፡ ነፍሲወከፍ ኣዳም ድማ ናታ ወይ ናቱ ህይወት ክሳዕ መወዳእታ ምዕራፍ ይጽሕፍ።

ከመይ ዝበለ ሓደገኛ ሓርነት! ናይ ነፍሲወከፍ ኣዳም ህይወት በቲ ደራሲ ባዕሉ ተጻሒፉ ተዛዚሙ ነይሩ እንተዝኸውን ክንደይ ውሑስ ምኾነ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ምርጫ በቲ ደራሲ እንተ ዝውሰን፡ ህይወት ንኣዳም ኣዝያዶ ቀላል ኣይምኾነትን። ከምዚ እንተዝኸውን ነይሩ ግን ፍቕሪ ስፍራኣ ኣይምተረኽበን። ምኽንያቱ ፍቕሪ ፍቕሪ ዝኸውን ምሉእ ናይ ምምራጽ ናጽነት ምስ ዘካትት ጥራይ እዩ።

ስለዚ ድማ እቲ ደራሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣዳም ናቱ ብርዒ ይህቦ እሞ፡ ኣብ ገጻት ህይወቱ ንኽጽሕፍ ይዕድሞ። “ተጠንቂቕካ ጸሓፍ“ ብምባል ድማ ናይ ማዕዳ ሕሹኽታ የስምዖ።

መሪር ቃንዛ እንዳ ተሰመዖ እቲ ደራሲ ነታ ሳልሰይቲ ቃል ብፍቕርን ብርድኢትን ክስሕፋ ጀመረ፡ - ኣ - ማ - ኑ - ኤ - ል -

እቲ ዓቐን ኣልቦ ብልሒ ኣብ ኣድማስ ንግዜ ብሓሳብ ቀረጾ። እቲ ሓቀኛ ፈራዲ ድማ ንኣዳም ዝመረጾ ክመርጽሲ ናይ ምርጫ ነጻነት ለገሰሉ። ፍቕሪ ድማ ኣማኑኤል ንኽመጽእ ደረኸቶ፡ ኣምላኽ ምሳና።

እቲ ደራሲ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ናቱ ድርሰት ኣእተዋ።

እቲ ቓል ስጋ ኾነ። ንሱውን ከምቶም ካልኦት ካብ ማህጸን ክውለድ ነበሮ። ንሱ ሰብ ኮነ። ከም ካልእ ሰብ ድማ ኢደ እግሪ ሃለዎ። ከም ካልእ ሰብ ድማ ተፈተነን ነብዐን። ካብዚ ኹሉ ንላዕሊ ግና ንሱውን ከምቶም ካልኦት ኣዳም ምርጫኡ ከልዕል ዕድል ተዋህቦ። ኣማኑኤል ኣብቲ ቀራን መንገዲ ደው ብምባል ወይ ህይወት ወይ ሞት ክመርጽ ነበሮ።

እቲ ደራሲ ናብ ማእከል ድርሰቱ ክኣቱ ምውሳኑ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ኣጸቢቑ ፈሊጡ ነበረ። ዘገም እንዳበለ ድማ ነቲ ናይ ስቓይ ገጻት ህይወቱ ምጽሓፍ ቀጸለ። ነቲ መጽሓፍ ደው ከብሎ ይኽእል ነይሩ፡ ከመይሲ ንሱውን ከምቶም ካልኦት ኣዳም ምርጫ ስለ ዝነበሮ፡ ግን ከኣ እቲ ፈጣሪ ክፈጥር ኣለዎ እቲ ጸሓፊ ድማ ክጽሕፍ ኣለዎ፡ እቲ መፍቀሪ ድማ ከፍቅር ኣለዎ። ስለዚ ንሱ ህይወት መረጸ፡ እቲ ዝመረጾ ህይወት ንዕኡ ናይ ሞት ሓላፍነት እኳ ዘሰክም ክንሱ፡ እቶም ካልኦትውን ከምቲ ናቱ ህይወት ከም ዝመርጹ ተስፋ ብምግባር ነቲ ውሳኔ ወሰዶ።

እቲ ደራሲ ህይወት ድርሰቱ ዛዘመ። ንብልሒ እሾኽ ናብ ስጋኡ ኣቕንዖ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዓጸዎ። ነቲ ዝመረጾ ምርጫን ነቲ እቶም ካልኦት ደቂ ኣዳም ዝመርጽዎ ምርጫን ብምግንዛብ፡ “ተፈጸመ“፡ ብዝብል ናይ መወዳእታ ቃል ብምጽሓፍ ነቲ ዓብዪ መዝገብ ዓጸዎ። “ብርሃን ይኹን” ኢሉ ብምእዋጅ ድማ ንመጀመርታ ናብ ህልዊ ከምጽኦ ጀመረ።

መቦቆላዊ ጽሑፍ፦ ማክስ ሉካዶ
ትርጉም፦ ኣክሊሉ መንግስቱ

0 comments
Other Article