ማርያም እታ ንፍዕቲ ኣማኒት!

Posted on 2013-04-03 · 1336 · 0 · 0

1 resources uploaded

እቲ ንነዊሕ ዘመናት ክጽበዮ ዝጸንሐ ህዝቢ ዓለም(ብፍላይ እኳ ኣይሁድ)ብመንገዲ መልኣክ ገብርኤል ኣደ እቲ መሲህ ክትከውን ካብ ማእከል ብዙሐት ኣዋልድ ዝተሓረየትን ድንግልን ማርያም እቲ "...ክትጠንሲ ወዲ ከኣ ክትወልዲ ኢኺ ስሙውን የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ.."ሉቃ:1:31 ዝብል ብስራት ምስ ሰምዐት ኣሰምበዳን ኣስደመማን። ከምዚ ብምባል እውን ብሕቶ መልክዕ ተደነቀት "...እዚኽ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ ከመይ ኢሉ ከኽውን እዩ..." እቲ ኣበሳራይ መልኣኽ'ውን ከምዚ ብምባል መለሰላ "...መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ከጽልለኪ እዩ..."ሉቃ:1:34-35 እቲ ዘረባ ማለት ቆልዓ ብዘይ ርክብ ሰብኣይ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ታሪክ እውን ኣይተርኣየን ልዕሊ ሕጊ ተፈጥሮውን እዩ። ግና ሕቶ ማርያም ነቲ ብዛዕባ ዝሰምዓቶ ቃል ከም እተጠራጠረቶ ውይውን ከም ዝነጸገቶ ኣየስምዕን እዩ። ዋላኳ ከመይ ይኽውን ምሉእ ርድኢት እንተዘይተረድእት ነቲ ዝበላ ቃል ኣሚናቶን ተቀቢላቶን ”...እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ በለት...”። እቲ ክርሳዕ ዘይብሉ ኣብቲ ተኣምራት ዝጠፍኣሉ መለኮታዊ ራእይ ንኣማኢት ዓመታት ዘይተገለጸሉ ክሳዕ እቲ መልኣኽ ንካህን ዘካርያስ ዝተገለጸሉ እዋን ድማ ንሓደ ካብ ደቂ ሰባት መልኣክ ኣምላኽ ዘይተርኣየሉ እዋን እታ ድንግል ዝኾነት ሰብ ብዘይ ምጥርጣር ነቲ ብኣምላኽ ዝተውሓባ ሕርየት ተቀበሎቶ። እቲ ንደቂ ሰባት ክሳብ ሕጂ ምስጢር ዝኾነ ምውላድ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ካብ ድንግል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ሰብ ኾይኑ(ፍጹም ሰብ)ምምጽኡ ብመንገዲ “ተሰጉዎ”(incarnation)ኣምላኽ ብኣርኣያ ሰብ ምግላጹ እቲ ካብ ዘልኣለም ዝሰርዖ ምድሓን ኣምላኽ ንደቂ ሰባት በዛ መዓልቲ ኣበሰሮ። ዘሕጉስ ብስራት ካብ ኣርያም እቲ ጽላሎት ዝተኣለየሉ እቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ ኣብ ክውንነት ዝተርኣየሉ መዓልቲ ሓጎስ ንደቂ ሰባት! ስብሃት ንኣምላኽ!

0 comments
Other Article