ኩሉ ሳዕ ዓወት 3ይ ክፋል

Posted on 2013-03-23 · 1418 · 0 · 1

3 resources uploaded

ተስፋታት ኩሉሳዕ ዓወት
ሉቃ 10፣17 ‘ እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፡ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። 18 በሎም፡ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። 19 እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኲሉ ሓይሊ ጽላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን።’

ጎይታ ነቶም ሰብዓ ልኡኻት ሐደ ስልጣን ልኢኹ እዩ ሰዲድዎም፣ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣጋንንቲ ምልኪ ከም ዘለዎም። እቲ ዝበሎም ቃል ድማ ስለ ተፈጸመ እናተሓጎሱ ተምልሱ ይብለና። የሱስ ድማ ናይ ቦታ ለውጢ ከም ተገብረ ሰይጣን ከም መብረቕ ክወድቅ ከሎ ረኤኽዎ ኢሎ ገለጾ። ነቲ ቃል ሓቒ ምስ ነገሮም ሰይጣን ካብቲ ዝነበሮ ልዕል ዝበለ ኣዳማዊ ስልጣን ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ከሎ እቶም ደቒ መዛሙርቱ ድማ ካብቲ ዝነበርዎ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ናብ ልዕል ዝበለ ሰማያዊ ቦታ ተሳገሩ። ስለዚ ድማ ተመንን ዕንቕርቢትን ኩሉ ሓይሊ ጸላኢ ( ሓደ ሓደ ኣይኮነን፣ ፍርቖም ኣይኮነን ኩሉ እዩ ዝበለ) ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ። ናይ ቦታ ለውጢ ብምግባር ነቶም ደቒ መዛሙርቲ ካብ ሰይጣን ልዕል ስለ ዘበሎም ብኢድኩም ክትሕዝዎም ኣይበለን ክትቓለስዎም ኣይበለን ክትረግጽዎም `ስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆም ውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እዚ ጥቅሲ እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብነብዩ ኢሳያስ ንእስራኤል እተዋህበ ተስፋ እዩ፣ ንዓና ውን ብእምነት በረኸት ኣብርሃም እንወርስ ይምልከተና እዩ። ንዓና ኣብ ሲኦል ኮነ ኣብ ኣየር ኮነ ብሰይጣን እተኣልመ ውዲታት ኣባና ኣይክበጽሕን እዩ። ኣንጻርና ውን ኣብ ሰባት ልሳን እተዘርበ ከንቱ ክንገብሮ ስልጣን ኣሎና። እዚ ድማ ካብ ጽድቅና ወይ ድማ ካብ ብዙሕ ብጽላይና ዘይኮነ ካብ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ምውላድና እተላዕለ እዩ። ሎሚውን ነዚ ቃል ሒዝና ውዲት ዲያብሎስ ኣብ ሂወተይ ኣብስርሐይ ኣብ ሓዳረይ ኣብ ቤተሰበይ ኩሉ ኣይክጠቅምን እዩ ንበል። መርዛም ቃላት ክንዓቢ ከሎና ኣብ ልዕሌና ዝተዘርበ ኣይጠቕምን እዩ ዝብል ዘናሹ ዋላ ኣብ ኣመንቲ እተቐመጠ ይኹን ከም ክርዳድ ንኣርየሉ መዓልቲ እዩ።

3) መዝ 9፣13 ‘ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።’ ሕጂ ውን ጎይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዘረጋግጸልና ነቶም ጸላእትና ሓንቲ መልእኽቲ ጥራይ እዩ ዘሎና ንሱ ድማ ምርጋጽ ጥራይ እዩ። ኣብ መወዳእታ ንነፍሲ ወከፍና ከም እያ 1፣5 ‘ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን ኣይጥንጥነካንውን።’ እግዚኣብሄር ምሳና ስለ ዝኾነ ምሉእ ዕድሜና ሓይልታት ጸልማት ክቓወሙና ከም ዘይከእሉ ርጉጽነት ይህበና ኣሎ። ኣብ እብ 13፣5 ውን ነዚ ተመሳሳሊ ሓሳብ ብምድጋም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንዘሎና ኣመንቲ እዚ ስልጣን እዚ ይህበና ኣሎ። ስለዚ ነዘን ተስፋ ሒዝና ኣብቲ ቤተሰብና ምኽንያት ናይ ዘልኣለም ሂወት መግለጺ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ክንከውን በዘን ላዕሊ ተጠቒሰን ዘሎዋ ተስፋታት ሒዝና ሃየ ንምድሓን ቤተሰብና ንበገስ።`

መሰረታት ኩሉ ሳዕ ዓወት (Foundations of victorious life)

1. ካብ ኣምላኽ ምውላድና 1ዩሃ 5፣4 ብክርስቶስ ካብ ኣምላኽ ዳግም ክንውለድ ከሎና ኩሉ ብሉይ ብሓድሽ ተተኪኡ ከምኡ ውን ኣምላኻዊ ባህሪ ብምልባስ ንዓለምን ፍትወታን ንስዕረሉ ሓይሊ ንረክብ። ካብ ኣንበሳ ዝውለድ ኣንበሳ ካብ ኮነ፣ ካብ ኣምላኽ ዝውለድ ድማ ሓጥያት እናጸልኣ ጽድቂ እናፈተወን ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኩሉ እናገዚኣ ዝነብር ውሉድ ኣምላኽ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ኩሉ ሳዕ ብዓወት ዘንብረኒ ትምክሕተይ ጽድቀይ ኣይኮነን፣ ፍልጠተይ ኣይኮነን ግና ካብ ኣምላኽ ምውላደይ እዩ። ዩሃ 1፣12
2. ኣባና ዘሎ ስለ ስዓቢ 1ዩሃ 4፣4 ንኣኽራናት ንጥሕሰሉ፣ ንሰራዊት ኣጋንንቲ ነህድመሉ ኩሉ ሳዕ ብዓወት ክንነብር ዘኽእለና እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣምላኽ ካብ ኩሉ ዝዓቢ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብቲ ዝመጸና ማዕበል ኮነ. Perasimos ኮነ ሰይጣን ባዕሉ እንተኮነ ካብቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ክዓቢ ኣይክእልን እዩ። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ምሳና ዘሎ መንፈስ ቅዱስን ሓለዋ እግዚኢብሄርን ኣዝዩ ይዓቢ እዩ ስለዚ ድማ እዩ እቲ ዘማራይ ብሩባ ሩባ ድነ ሞት እዃ እንተ ኸድኩ ንስኻ ምሳይ ዘሎኻ ዓቢ ስለ ዝኾንካ ከቶ ኣይክፈርህን እየ። ንሕና ውን ምስ ጳውሎስ ኮይንና ብመን ከም ዝኣመንኩ ይፈልጥ እየ ንበል። ከምቲ 2ቆረ 6፣ 14-18 ከም ዝነግረና እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ማሕደር ኣምላኽ ይገብረና። ሽዑ ታሪኽና ይቅየር ኣሞ ንውድቀት ዘይኮነ ንዓወት፣ ንሃጥያት ዘይኮነ ንጽድቂ ናብ ስዕረት ዘይኮነ ናብ ኩሉ ሳዕ ዓወት ናብራ የእትወና።
3. የሱስ ጎይታ ሙኻኑ ስለ ንእመን 1ዩሃ 4፡15 ንሕና ንየሱስ ኣብ ሂወትና ጎኢታ ሚስ ገበርናዮ ናይ ሂወትና ዋንነት ንሱ ወሲድዎ እዩ ስለዚ ንዓና ከጥቅዕ ዝመጽእ ቅድም በቲ ዋና ማለት የሱስ ክርስቶስ ክሓልፍ ይግብ ኦ እዩ ንሱ ግና ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ ዝሰግደሉ ጎይታ እዩ ብጸላኢ ክንሰዓሮ ኣይሐድገናን እዩ።

ይቕጽል…..

1 comments

ኣሜን። ቓል ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ሓድሽ እዩ። ካቦድ ስለ-እቲ እሙን ኴንካ ነዚ ህያው ቃል ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ክበዝሕ ምጽዓትካ፤ ኣምላኽ ይባርኽካ
Other Article