ብሰማርያ ክሓልፍ ናይ ግድን ኮኖ

Posted on 2014-06-25 · 1487 · 0 · 0

7 resources uploaded

ብሰማርያ ክሓልፍ ናይ ግድን ኮኖ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ክልተ ኣሕዋት ኮፍ ኢልና እንዳተዘራረብናዩ ብዛዕባዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ዘልዓልና። ሽዑ ድማ ዝተፈላለየ ዝመሰጠኒን ትምህርቲ ዝኾነኒን ሓሳባት ብምንባሩዩ ክጽሕፎ ዝፈተኹ። ብሩኽ ናይ ምንባብ ግዜ።
ህይወታ ኣሰብኡት ከእትዉዋን ከውጽእዋን ዝተመረረትን ዕረፍቲ ዝሰኣነት ሰበይቲ እያ። እዚ ከይኣክል ጨንኣ ኣብ ደቂ ዓዳ ከፊኡ ዝቐርባ ይኹን ዝርድኣ ዘይረኸበት ግልልቲ ሰበይቲ እያ። ብሻዱሻይ ሰዓት ንበይና ማይ ክትቀድሕ ምውጽኣ ብሕትውንኣና ጽምውኣንዩ ዘርኢ። ኣብቲ ኣንስቲ ማይ ዝቐድሓሉ እዋን ዘይኮነ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዘይዛወረሉ ቀትሪ እያ ከይዳ።
ዘይከምቲ ልሙድ ግን ሎሚ ሓደ ኣይሁዳዊ ኣብቲ ሩባ ጸንሓ። ኣብ ኣእምሮኣ ዝተፈላለዩ ሓሳባት እናመጹዋ እንከለዉ ድማ’ዩ ሃንደበት ማይ ኮታ ኣስትይኒ ዝበላ ብትሕትና። ኣይሁዳዊ ክንሱ ካብኣ ማይ ምሕታቱ እንዳገረማ ድማ ኣይሁዳዊ ክንስኻ ካባይ ካብ ሳምራዊት ደኣ ከምይ ኢልካ ማይ ትልምን ኣሎኻ በለቶ። (ካብኣ ሓገዝ ምሕታቱ ስለዘይፈልጣ ጥራይ ምዃኑ እናሓሰበት )
ንሱ ግን መሊሱ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተትፈልጢ ግዳ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ድማ ማይ ህይወት ምሃበኪ በላ። ቅድሚ ሕጂ ካልእ ሰብ ተዛሪብብዋ ዘይፈልጥ ዘረባ እዩ ተዛሪብዋ ብዛዕባ ማይ ሂወት። ጽምኣ ይርድኦዩ ሃረርትኣ ይፈልጦዩ፡ ስለዚ ድማዩ ነቲ ማንም ሰብ ኣልዒሉላ ዘይፈልጥ ኣርእስቲ ዘልዓለላ። ጎይታይ ክትብሎ ድማ ኣይደንጎየትን። ምኽንያቱ ኣብቲ ቀዳማይ ዘረብኡዩ ንሕቶ ልባ ረኺብዎ። ብዛዕብኡ ክትፈልጥ ካብ ዝነበራ ሃረርታ ድማ ሕቶታት ክትሓቶ ጀመረት። ‘ ጎይታይ እዚ ማይ እዚ ዓሚቑ እዩ መቕድሒ ድማ የብልካን እዚ ማይ ሂወት ደኣ ካበይ ትረኽቦ? ንስኻዶ ካብቲ ነዚ ዒላዚ ዝሃበና ንሱ’ውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያቆብ ትዓቢ ኢኻ ’ በለቶ። የሱስ ድማ ካብዚ ማይዚ ዝሰቲ ዘበለ ትመሊሱ ክጸምእ እዩ። እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ዘበለ ግና እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘልኣለም ህይወት ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር ንዘልኣለም ኣይጸምእንዩ ኢሉ መለሰላ። እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ድማ ነቲ ማይ ክህባ ክትልምኖ ጀመረት። የሱስ ድማ ኪዲ ሰብኣይኪ ጸውዒ ክብል ካልእ ንልባ ዝኸብዶ ኣርእስቲ ኣልዓለላ። ንሳ ድማ ሓደኳ ካብቶም ዘእትውዋን ዘውጽእዋን ዝነበሩ ወላ እዚ ሕጂ ምስኣ ዝሎኳ ንልባ ዘዕረፈ ኣይነበረንሞ ሰብኣይ የብለይን በለቶ። ምናልባት ውን መንነታ እንተፈሊጡ ነቲ ማይ ህይወት ኣይክህበንን እዩ ዝብል ፍርሃት ክኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ብዘረብኣ ከይተገረመ 5 ሰብኡኣት ነይሮምኺ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎ’ውን ኣይሰብኣይክን እዩ በላ። እታ ሰበይቲ ጉዳ ስለዘይፈልጥ ጥራሕ ምስኣ ዘዕልል ዝነበረ ዝመሰላ ለካ ካብ ማንም ንላዕሊ ይፈልጣ ምዃኑ ተረድኣ። ብምግራም ድማ ጎይታይ ነብይ ምዃንካ እርእይ ኣለኹ በለት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ እቲ ኣብልባ ዝነበረ ሕቶ ሓተተቶ። ሕቶኣ ካልእ ኣይነበረን ነቲ ምስዚ ኩሉ ድኻማ ክትሰግደሉን ምሕረት ክትልምኖን እትደሊ ኣምላኽ ኣበይ ከምትሰግደሉ ግን ኣይትፈልጥን ነበረትሞ እትሓቶ ነብይ ምስ ረኸበት ከይተወላወለት ሓተተቶ። ኣቦታትና ኣብዚ ከረንዚ ሰገዱ ንስኹም ድማ ኣብ የሩሳሌም እዩ ዝስገድ ትብሉ ክትብል ንልቢ የሱስ ባህ ዘብል ሕቶ ሓተተት። ንሱ ድማ ኣዝዩ ዓቢ ሚስጥር ነገራ። ስግደት ኣብቲ ከረን ወይ ኣብ የሩሳሌም ዘይኮነ ከመይ ገይራ ንኣቦ ዘሐጉስ ስግደት ኣበይን መኣስን ከምተቕርብ ጽቡቕ ገይሩ ኣረድኣ። ‘ የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።’
ትቕብል ኣቢላ ሽዑየሱስ ዝብልዎ መሲህ ክመጽእ እዩ ንሱ ምስ መጸ ድማ ኩሉ ክነግረናዩ በለቶ።ብልባ ወትሩ ምምጻእ ናይቲ መሲህ ትጽበ ዝነበረት ሰብያ። ክመጽእ እሞ ኩሉ ድማ ክነግራ ሃረር ኢላ ትጽበ ዝነበረት ሰብ እያ። የሱስ ድማ ብግሁድ እዚ ዝዛረበኪ ዘሎ ንሱ እየ በላ።
ድሕሪ’ዚ ደው ኢላ ግዜ ክትወስድ ኣይደለየትን። ዕትሮኣ ንክትመልእ ይኹን ንኽትስከም’ውን ግዜ ኣየጥፈአትን።ብጉያ ንዓዳ ኣትያ። ርእሳ ኣቕኒዓ ኣብ ማእከል ህዝባ ክትከይድ ትብዓት ዘይነበራ ሰበይቲ ንዑ ዝገበርኩዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ርኣዩ ክርስቶስ እዩ ዝኸውን ንዳበለት ንብዙሓት ክትምስክረሎምን ንብዙሓት ካብታ ከተማ መሪሓቶም ክትመጽእን ጀመረት። ስለቲ ዝነገረቶም ቅል ድማ ብዙሓት ኣመኑ። እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኦም ሕሉፍ ታሪኻ ዝፈልጡን ስጋብ ሕጂ’ውን ብኸምኡ ይጥምትዋ ብምንባሮምን ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ክርስቶስ መድሕኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና ይብልዋ ነበሩ። እቲ ዘገርም ግን ንሳቶም እኳ ከምኡ እንተበሉዋ የሱስ ግን ሓንቲ ቃል እዩ ተዛሪቡ ነብይ ኣብ ዓዱ ኣይከብርን እዩ በለ። ነዚ ዘረባዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን ዝዛረቦ ዘሎ ምኽንያቱ ኣብ ገዛእ ዓዱ ኣይኮነን ዘሎ። ንሱስ ብዛዕባታ ሰበይቲ ደኣዩ ዝዛረብ ነይሩ። ንሳቶም ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና’ኳ ይብልዋ እንተነበሩ የሱስ ግን ንሳ መሪሓ ከምነብይ ዘምጽኣቶም ምዃና ስለዝፈለጠዩ ከምኡ ዝበሎም። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ገሊላ ከደ።
የሱስ ብሰማርያ ንክሓልፍ ግድን ዝኾኖ እምበኣር ነታ ማይ ሂወት ጸሚኣ ሃረር ትብል ዝነበረት፡ ነታ ኣበይ ከምዝስገድ ጠፊእዋ ተቕባሕብሕ ዝነበረት፡ ነታ የሱስ ዝበሃል ነብይ መጺኡ ንኹሉ ሕቶታታ ክምልሰላ ብተስፋ ትጽበ ዝነበረት፡ ሓደኳ ከም ሰብ ዘይቆጽራ ዝነበረት ሰበይቲ ንምርካብዩ ብርግጽ ነዚኣ ምስረኸበ ንብዙሓት ሳምራውያን ከምዝረኽቦም ድማ ይፈልጥ ነበረ።

06-2014

0 comments
Other Article