1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኬድካስእግዚኣብሄር ከምዚ ይብልንህዝበይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ።

2. ንስኻ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቖዓ እየ።

3. እቲ ርባ ድማ ብቝርዖብ ፈለኽለኽ ኪብል እዩ፡ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓረትካን ናብ ቤት ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣታውንካን ናብ ገበራኻን ኪኣትዋ እየን።

4. ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ቍርዖብ ኪድይባኹም እየን በሎ።

5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንኣሮን፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝትን ናብ ርባታትን ናብ ቀላያትን ኢድካ ምስ በትርኻ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ሃገር ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ በሎ

6. ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሔ፡ እተን ቍርዖብ ድማ ደይበን ንምድሪ ግብጺ ኸደንኦ

7. እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ቍርዖብ ኣደየቡ

8. ሽዑ ድማ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑካባይን ካብ ህዝበይን ቍርዖብ ኬርሕቐለይንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ይኺድ ክሐድጎ እየ፡ በሎም

9. ሙሴ ንፈርኦን፡ እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ኪጠፍኣ እሞ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋስምእንታኻን ምእንቲ ገላዉኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝልምንብኽብረትካ ቝረጸለይበሎ

10. ንሱ ድማንጽባሕበለ። እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲከምቲ ዝበልካዮ ይኹን

11. እዘን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ፡ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋ እየን፡ በለ።

12. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽኤን ቍርዖብ፡ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ

13. እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቍርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ

14. እናኣከቡ ዀመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት

15. ፈርኦን ግና፡ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረአየልቡ ኣትረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖን

16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንኣሮንበትርኻ ዘርግሕ፡ ነቲ ደበቝቦቛ ምድሪ ውዓዮኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ጻጹት ኪኸውን እዩ በሎ

17. ከምኡ፡ ኸኣ ገበረኣሮን ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ነቲ ደበቝቦቛ ምድሪ ወቕዖ፡ ናብ ሰብን ናብ ማልን ድማ ጻጹት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኵሉ ደበቝቦቛ ምድሪ ጻጹት ኰነ

18. እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ጻጹት ኬውጽኡ ኸምኡ ገበሩ፡ ግናኸ ኣይከኣሉንጻጹት ከኣ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ኰነ።

19. እቶም ጠንቈልቲ ድማ ንፈርኦን፤ እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ፡ በልዎልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣሰምዖምን

20. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል። እንሆ፡ ናብ ማይ ይወጽእ አሎ እሞ በሎእግዚኣብሄር ከምዚ ይብልንህዝበይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ።

21. ንህዝበይ እንተ ዘይሐደግካዮ ድማእንሆናባኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያንን እታ ዚነብሩላ ምርድን ከኣ ብጽንጽያ ኸልቢ ኸመልኣ እየን።

22. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ምድሪ ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነታ ህዝበይ ዚነብረላ ምድሪ ጎሼን ጽንጽያ ኸልቢ ዜብላ ገይረ ኽፈልያ እየ።

23. ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ዝህብኻን ምፍልላይ ክገብር እየ። እዚ ትእምርቲ እዚ ጽባሕ ኪኸውን እዩ።

24. እግዚኣብሄር ድማ ከምኡ ገበረናብ ቤት ፈርኦንን ናብ ቤት ገላዉኡን ብዙሓት ዕስሌታት ጽንጽያ ኸልቢ መጹ። ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት

25. ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑኪዱ ኣብዛ ሃገር ንኣምላኽኩም ሰውኡበሎም

26. ሙሴ ግና፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦርኽሰት ግብጻውያን እዩ እሞ፡ ከምዚ ኺግበር ኣይቕኑዕን። እቲ ርኽሰት ግብጻውያን ዝዀነ ኣብ ቅድሚኦም እንተ ሰዋእናስ፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፧

27. ከምቲ ዚብለና ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእሲመገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ንኺድ፡ በለ።

28. ፈርኦን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽሐድገኩም እየ። ምእንታይ ድማ ለምኑኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱበለ

29. ሙሴ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻባኻ እወጽእ አሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ክልምን እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈርኦን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ጽባሕ ኪኸዱ እዮም። ፈርኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ምሕዳጉ ኸይኣቢ፡ መሊሱ ኣይጠብረናበለ

30. ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ወጸንእግዚኣብሄር ከኣ ለመነ

31. እግዚኣብሄር ድማ ሙሴ ኸም ዝበሎ ገበረ። ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኻብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ሓደኳ ኸይተረፈ ኣርሐቖም

32. ፈርኦን በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ልቡ ኣትረረንህዝቢ ኸኣ ኣይሐደጎን