1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም፡ እቲ መባኤይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ኺህብ ዝፈተወ ውሰዱ

3. እቲ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን

4. ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፡ ጸጉሪ ጤልን ድማ፡

5. እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስንዕንጨይቲ ሽጢምን

6. ዘይቲ ንቐንዴልቀመማት ንመቕብኢ ዚኸውን ዘይቲንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ድማ፡

7. ኣእማን ዕንቍን፡ ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን

8. ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ

9. ከምቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ዅሉ ኣቓሑኡንከምኡ ግበርዎ

10. ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ይግበሩምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓንምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓንምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን።

11. ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦውሽጡን ግዳሙን ለብጦ። ላዕላዩ ኸኣ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ

12. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ግበርክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ

13. ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ።

14. እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወርሲ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእትዎ

15. እቲ መሰላታት ኣብቲ ቐላብቲ ታቦት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ

16. ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ከተንብሮ ኢኻ።

17. መኽደን መተዓረቒ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበርምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቃንምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።

18. ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም

19. ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰንካልኣይ ኪሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኪሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ዀይኑ፡ ብኽልተ ወሰኑ ግበርዎም

20. እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኸውልዎገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል።

21. ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ

22. ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ።

23. ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበርምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን።

24. ብጽሩይ ወርቂ ለብጦብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ

25. ዙርያኡ ድማ ጋት ዝምግፋሑ ኽቡስ ግበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ

26. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበሮ

27. እቲ ቐላብቲ ድማ፡ ንምጽዋር እቲ ሰደቓ መሰላታት ኪኣትዎኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ይኹን።

28. እቲ ሰደቃ ብእኡ ኺጽወርሲመሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር እሞ ብወርቒ ለብጦ

29. ድማ ዚኽዕዉሉ ጻሕልታቱን ጭሔሎታቱን ኵስኵስትታቱን ጽዋኣቱን ግበር፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበሮ

30. ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወርትግ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ተንብር

31. ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቐዋሚ ቀንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገበር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን።

32. ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ።

33. ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ካልኣይ ጨንፈር ድማ ከምኡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕንባባን። ነቲ ኻብቲ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ።

34. ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ይገበሮ።

35. ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን

36. ከበብቱን ጨናፍሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሔ ይኹን።

37. ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። እቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ከም ዜብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር፡

38. መሳቐይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን።

39. ንሱ፡ ምስ እዚ ዅሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ይገበር

40. ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሮ ኸኣ ጠምቶ