1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈርኦን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሐድገኩም እዩ። እቲ ኺሐድገኩም ከሎ ድማ፡ ደፊኡ ኺሰጐኩም እዩ።

2. እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤትነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ድማ ካብ ጐረቤት ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን ይለምኑ፡ በሎ።

3. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሀቦሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዮ ዓብዪ ነበረ።

4. ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎበሎ፡ ኣነ ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ።

5. ኵሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ ድሕሪ መጥሓን ዘላ ግዝእቲኵሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ።

6. ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ፡ ከቶ ዘይኰነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዘይከውን ዓብዪ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ።

7. እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን

8. እዞም ገላዉኻ ዅሎም ናባይ ኪወርዱ እዮም፡ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዚስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውጻእ፡ ኪብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ተናዲዱ ወጸ

9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ፡ በሎ

10. ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ዅሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎእግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን