1. ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ኸኣ ግበር፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ

2. ምንዋሑ ሓደ እመትምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን።

3. ላዕላዩን ጎቦታቱን ብዙርያኡኣቕርንቱ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ። ካብ ወርቂ ኸኣ ኣኽሊል ኣዙረሉ

4. ክልተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ ድማ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ግበሮብእኡ ኺጽወርሲ እቲ መሰላታት ኣብኡ ኺኣቱ፡ ኣብ ክልተ ወገኑ ግበሮ

5. እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮብወርቂ ኸኣ ለብጦ

6. ነቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ነቲ ኣነ ኣብኡ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግበሮ

7. ኣብኡ ኣሮን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠንንግሆ ንግሆ ቐነድል ኬዳሉ ኸሎ ዕጣን ይዕጠን

8. ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀነድል ኬብርህ ከሎ፡ ናይ ወርትግ ዕጣን ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዕጠን

9. ጋሻ ዕጣን ኰነ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀነ ወይ መስዋእቲ ብልዒኣይተቕርቡሉመስዋእቲ መስተ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኽዓዉ

10. ኣብቲ ኣቕርንቱ ድማ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕንውሉድ ወለዶኹም ብደም መስዋእቲ ናይ ምትዕራቕ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

12. ንደቂ እስራኤል ምስ እትቘጽሮም፡ ምስ ተቘጽሩ፡ በቲ ምቝጻሮም ሕማም ከይኰኖምነፍሲ ወከፍ በጃ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ

13. ነፍሲ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሐለፈ፡ በቲ ሲቃል መቕደስ ፈረቓ ሲቃል ይሀብሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ እዩ እሞ፡ ፈረቓ ሲቃል መባእ ንእግዚኣብሄር ይኹን።

14. ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሐለፈወዲ ዕስራ ዓመት ካብኡ ንላዕሊውን፡ እቲ መባእ ንእግዚኣብሄር ይሀብ

15. እቲ በጃ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ ኸሎኹም፡ ሃብታም ካብ ፈረቓ ሲቃል ኣየብዝሕድኻ ኸኣ ኣየውሕድ

16. እቲ ገንዘብ መተዓረቒ ድማ፡ ንመተዓረቒ ንፍስኹምንደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከሪ ኪኸውን፡ ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ግበሮ

17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

18. ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ ኣጋሮኡ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ግበሮኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮ እሞ፡ ማይ ግበረሉ።

19. ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሐጸቡ

20. ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ንእግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ ብምንዳድ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ምእንቲ ኸይሞቱስማይ ይተሐጸቡ

21. ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሐጸቡ። እዚ ኸኣ ንኣታቶም፡ ንእኡን ንዘርኡንንውሉድ ወለዶኦምስርዓት ዘለኣለም ይኹን።

22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

23. ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃልካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል።

24. ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ።

25. ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን።

26. ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ

27. ነቲ ሰደቓን ኵሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡

28. ንመሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቅባእ።

29. ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ

30. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን

31. ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይ።

32. ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኵዖ፡ ካልእውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን።

33. እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፡ እቲ ኻብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ

34. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎጥዑም ጨናታትከርበን ሸኽለትን ከልበናንጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ኸም ዚኸውን ጌርካ ውሰድ

35. ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕብኢ ጨው ዝኣተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅብኢ ዕጣን ግበሮ

36. ካብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ። ንኣኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።

37. እቲ በዚ ኣገባብራኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ።

38. ዝዀነ ይኹን ኪዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ