1. እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ትኸሎ

3. ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ጋርዶ

4. ነቲ ሰደቓ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፡ እቲ ኣብኡ ዚነበር ኣቓሑ ስርዓሉቀዋሚ ቐንዴል ኣእቲኻ ኸኣ፡ እቲ ቐነዲሉ ኣንብረሉ

5. ነቲ መዕጠኒ መሰውኢ ወርቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር ግበሮ

6. ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ግበሮ

7. ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮማይ ከኣ ግበረሉ

8. ነቲ ኣጸድ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮ

9. ዘይቲ ቕብኣት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን።

10. ንመሰውኢ ምሕራርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ድማ ቅብኣዮ፡ ነቲ መሰውኢ ቐድሶ እሞ እቲ መስውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን።

11. ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከኣ ቅብኣዮን ቀድሶን

12. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ ብማይ ሕጸቦም

13. ንኣሮን እቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ካህነይ ኪኸውን፡ ቅብኣዮን ቀድሶን

14. ንደቁ ኸኣ ኣቕሪብካ ቐመውሽ ታሕቲ ኽደኖም

15. ነቦኦም ከም ዝቐባእካዮ፡ ንኣታቶም ድማ ካህናተይ ኪዀኑኒ ቕብኣዮም። እቲ ምቕባኦም ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ንኽህነት ዘለኣለም ይኹነሎም።

16. ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ

17. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ በታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተተኽለ

18. ሙሴ ኸኣ ነቲ ማሕደር ኣቘሞኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ኣልዋሑ ደው ኣበሎ፡ ጋድማቱ ኣእተወ ኣዕኑዱውን ተኸለ

19. ነቲ ድንኳን ከኣ ብልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ እቲ ድንኳን ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።

20. ነቲ ምስክር ወሲዱ ኸኣ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነቲ ታቦት መሰላታት ገበረሉ፡ ነቲ መኽደን መተዕረቒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኣንበሮ

21. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ማሕደር ኣእተዎ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ ነቲ ታቦት ምስክር ጋረደሉ

22. ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ሰሜን ማሕደርብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ

23. ነቲ ዚስራዕ እንጌራ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ

24. ነቲ ቐዋሚ ቀንዴል ድማ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር ሰደቓ ብሸነኽ ደቡብ ማሕደር ኣንበሮ

25. ነቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ

26. ነቲ መሰውኢ ወርቂ ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ

27. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣብኡ ምኡዝ ዕጣን ዐጠነ

28. ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ

29. ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኣንበሮ እሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞዚሐርር መስዋእቲ መስዋእቲ ብልዕን ኣብኡ ኣዕረገ።

30. ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ

31. ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕጸቡ ነበሩ።

32. ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተዉን፡ ናብ መሰውኢ ምስ ቀረቡን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞይሕጸቡ ነበሩ።

33. ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ከኣ ኣጸድ ኣቘመ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ መጋረጃ ጋረደሉሙሴ ከኣ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ

34. ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ

35. እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዐረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለን

36-38. ብዅሉ እቲ ምጕዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብዅሉ ምጕዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐልይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።

Chap 39