1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ሕጂ ኽትርኢ ኢኻ፡ ብሓያል ኢድ ኪሐድጎም እዩ፡ ኤረ ብሓያል ኢድ ካብ ሃገሩ ኺሰጎም እዩ፡ በሎ

2. ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦበሎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡

3. ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎምብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኵሎምን

4. እታ ተስዲዶምዋ ዝነበሩ ምድሪ ስደቶምሃገር ከንኣን ክህቦም ምስታቶም ኪዳነይ ኣቘምኩ

5. ኣነ ድማ ቍዝማ እቶምግብጻውያን ባሮት ዝገበርዎም፡ ደቂ እስራኤል ሰሚዔኪዳነይ ዘከርኩ

6. ስለዚ ንደቂ እስራኤል በሎምኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፡ ካብ ባርነቶም ከኣ ሓራ ኸውጽኣኩም እየ፡ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን ከድሕነኩም እየ።

7. ህዝበይ ክትኰኑ ድማ እወስደኩምኣምላኽ ከኣ እዀነኩምካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ዘውጽኣኩም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።

8. ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ክህቦም ኢደይ ዝዘርጋሕኩላ ምድሪ ኸኣ ከእትወኩም እየ፡ ንሳ ድማ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ

9. ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምኡ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጸበባ ነፍሶምን ካብ ምብርታዕ ዕዮኦምን እተላዕለ ንሙሴ ኣይሰምዕዎን

10. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

11. ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኺሐድጎም ተዛረቦ

12. ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርእንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስኣነ ግዳ ኸናፍረይ ዘይግዙር፡ ከመይ ገይሩ ፈርኦን ኪሰምዓኒ፧ ኢሉ ተዛረቦ

13. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ተዛረቦምንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኼውጽኡ፡ ናብ ደቂ እስራኤልን ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኪኸዱ ኣዘዞም።

14. ሓላቑ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤልሓኖክን ፋሉንሔጽሮንን ካርሚን። እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም።

15. ደቂ ስምኦን ድማ፡ ይሙኤልን ያሚንን ኦሓድን ያኪንን ጾሓርን ሻውል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን። እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም።

16. ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብወለዶኦም እዚ እዩ፡ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪንዓመታት ህይወት ሌዊ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ፡

17. ደቂ ጌርሾንሊብኒን ሺምዒን በብማይ ቤቶም

18. ደቂ ቀሃት ድማ፡ ዓምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልንዓመታት ህይወት ቀሃት ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።

19. ደቂ መራሪ ኸኣ፡ ማሕሊን ሙሺን። እዚኣቶም በብወለዶኦም ማይ ቤት ሌዊ እዮም።

20. ኣምራም ከኣ ንዮካቤድ ኣሞኡሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉዓመታት ህይወት ኣምራም ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ።

21. ደቂ ይጽሃር ከኣ፡ ቆራሕን ኔፌግን ዚክሪን

22. ደቂ ኡዚኤልውንሚሻኤልን ኤልጻፋንን ሲትሪን

23. ኣሮን ድማ ንኤልሼባ ጓል ኣሚናዳብሓብቲ ናሕሾንሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንሳ ኸኣ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ወለደትሉ

24. ደቂ ቆራሕ ድማ፡ ኣሲርን ኤልቃናን ኣብያሳፍን። እዚኣቶም ማይ ቤት ቆራሓውያን እዮም።

25. ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ጱጢኤል ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰደ። ንሳ ኸኣ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብዓሌቶም ሓላቑ ኣቦታት ሌዋውያን እዮም።

26. እቲ ኣሮንን እቲ ሙሴንእግዚኣብሄርንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽእዎምዝበሎምእዚኣቶም እዮም።

27. እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኼውጽእዎም፡ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ እተዛረቡ፡ እቲ ሙሴን እቲ ኣሮንን እዚኣቶም እዮም።

28. ኰነ ኸኣ፡ በታ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተዛረበላ መዓልቲ፡

29. እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦኣነ እግዚኣብሄር እየእዚ ኣነ ዝዛረበካ ዅሉ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዛረቦ

30. ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርእንሆ፡ ኣነ ኸናፍረይ ኣይተገዝረን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ፈርኦን ኪሰምዓኒበለ