1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ኺዱ እሞ፡ ናብታ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ ኢለ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይብ።

2. ቀቅድሜኻ ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ እሞ ንኸነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ክሰጎም እየ።

3. ንሱ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኼእትወካ እዩ። ንስኻ ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸየጥፍኣካስ፡ ኣብ ማእከልካ ኣይድይብን እየ፡ በሎ።

4. እቶም ህዝቢ እዚ ኽፉእ ነገርዚ ምስ ሰምዑጐሀዩ እሞ ሓደ እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን

5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤልንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ቅጽበት ዓይኒ ኣብ ማእከልካ እንተ ዝድይብምወዳእኩኻ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣኻ እንታይ ከም ዝገብረካ ምእንቲ ኺፈልጥስልማትካ ካባኻ ቀንጥጥበሎም

6. ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንነጀው ስልማቶም ቀንጠጡ

7. ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈርካብ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣውጻኣሉ። ኰነ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ዝደለየ ዘበለ ንወጻኢ ሰፈር ናብ ድንኳን ምራኻብ ይኸይድ ነበረ።

8. ኰነ ድማ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ዚወጽእኵሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው በለ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ክሳዕ ዚኣቱ ደድሕሪኡ ይጥምቶ ነበረ።

9. ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ እቲ ዓንዲ ደበና ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፡ ንሙሴ ድማ ይዛረቦ ነበረ።

10. ኵሉ ህዝቢ ድማ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ረኣዮኵሉ እቲ ህዝቢ ተንስኤ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ።

11. ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብእግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጐበዝ ግልያኡእያሱ ወዲ ነዌ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።

12. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄርእንሆ፡ ንስኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦትብለኒ አሎኻ። ምሳይ ንመን ከም እትሰድድ ከኣ፡ ንስኻ ኣየፍለጥካንን። ንስኻ ግና፡ ብስምካ እፈልጠካ አሎኹ፡ ኣብ ዓይነይ ድማ ሞገስ ረኺብካ አሎኻ፡ በልካኒ

13. እምበኣርሲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ኪረክብበጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ። እዚ ህዝብዚ ኸኣ ህዝብኻ ከም ዝዀነ ርኤ፡ በሎ።

14. እግዚኣብሄር ድማ፡ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድከዕርፈካ ኸኣ እየ፡ በሎ

15. ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ እንተ ዀይኑስ፡ ካብዚ ኣይተደይበና

16. ኣነን ህዝብኻን ኣብ ዓይንኻ ጸጋ ኸም ዝረኸብናኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከም እንፍለ ደኣ፡ ብምንታይ ይፍለጥ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካዶ ኣይኰነን፧ በሎ።

17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ዓይነይ ጸጋ ረኺብካብስምካ ኸኣ ፈሊጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ፡ በሎ

18. ንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻክብርኻ ኣርእየኒበሎ

19. ንሱ ኸኣ ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ። ነቲ ኽምጕሶ ዝደሌኹ ኽምጕሶ እየ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕሮ እየበለ

20. ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ

21. እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ አሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ።

22. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ።

23. ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒግጸይ ግና ኣይርኤን እዩ፡ በለ።