1. ንስኻ ከኣ ንሓውካ ኣሮንደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርንካህናት ኪኰኑኒካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም

2. ንኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ

3. ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎምብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዅሎም ንኣሮንካህነይ ንምዃን ኪቕደስኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም

4-5. እቲ ዚገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ ኣዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኤፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን፡ እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶምንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይግበሩሎም

6. ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ

7. ንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ እተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሀልዎ።

8. እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚኸውን ብብልሓት እተገበረ ዚዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን።

9. ክልተ እምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ

10. ሽድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ።

11. ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዚቐርጽ፡ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽዚሕዞ ኸኣ ትትዖ ወርቂ ኣዙረሉ

12. ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ መናኹብ ኤፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኵቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ይጹሮ

13. ትትዖ ወርቂ ድማ ግበር

14. ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ግበር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ግበሮ

15. ብብልሓት እተገበረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኤፎድ፥ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበሮ

16. ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን

17. ዚዛነቕ ኣእማንኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቐሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕሳርድዮንቶጳዝዮንስመራግዶስ

18. ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ሰመንጉኒሰፊሮስኣልማዝ

19. ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስኣካትኣሜቲስጦስ

20. ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተከቢቡ ይጥበቕ

21. እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን።

22. ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገበረ ሰንሰለታት ግበር

23. ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር

24. ንኽልቲኡ እተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮ

25. ንኽልቱኡ ኻልእ ኣምፊ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ

26. ክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ግበር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸንኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበር

27. ክልተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገበረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ

28. እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር

29. ኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ

30. ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ

31. ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኵለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ

32. ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜሕልፍ ኣፍ ይሀልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣልመ መኽፈፊ ይሀልዎ

33. ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማን ግበረሉኣብ መንጎኤን ድማ ኣብ ዙርያኡቃጽል ወርቂ ግበረሉ።

34. እሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቃጽል ወርቅን ሮማንንቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን።

35. ኣሮን ኣብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪኣቱ ኸሎን ኪወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውትኪስማዕሲ ኬገልግል ከሎ ይከደኖ።

36. ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ግበር፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ቅረጽሉ

37. ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን።

38. ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዅሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ህያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ኪዀነሎምሲ፡ ወርትግ ኣብ ግምባሩ ይኹን።

39. ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበርእተጠልፈ ቕናትውን ግበር

40. ንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ግበረሎምቅናውቲውን ግብረሎምንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም

41. እዚ ንኣሮን ሓውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖምቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምልኣሎምካህናት ኪዀኑኒ ኸኣ ቀድሶም

42. ንሕፍረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበረሎም፡ ካብ ሕቝኦም ክሳዕ ብርኮም ዚበጽሕ ይኹን።

43. ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ኣብ መቕደስ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።