1. ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሐረደ ወይ እንተ ሸጠ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስ

2. ሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉን

3. ጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም አለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ

4. እቲ ዝሰረቖብዕራይ ኰነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበካዕበት ገይሩ ይኽፈል

5. ሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ እንተ ሐደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሐስ

6. ሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይዕጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሐስ

7. ሰብገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ፡ ጐረቤት ኺሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበካዕበት ገይሩ ይኽሐስ

8. እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል።

9. ብዝዀነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። እቲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሐሶ

10. ሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ

11. ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሐስ

12. ካብኡ እንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተክኣሉ

13. ኣራዊት እንተ በትበቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪዀኖ የምጽኣዮተኽኣ ግና ኣይሀብ

14. ሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተካሕሳ ይኽሐሶ

15. እቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና፡ ኣይኽሐስተኻርዩ እንተ ዀነ፡ ብኽራዩ አትዩ እዩ።

16. ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ

17. ኣቦኣኣይህበካንኢሉ እንተ ኸልኦከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል

18. ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።

19. ምስ እስስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት

20. ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት

21. ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ

22. ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም

23. እንተ ገፋዕካዮምእሞ ኣባይ እንተ ጠርዑጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ።

24. ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታትደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።

25. ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ

26. ክዳን ብጻይካ ታሕዚ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ

27. እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ።

28. ንኣምላኽ ኣይትጽረፍንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም

29. ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ

30. ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን ድማ ከምኡ ግበርሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒ

31. ቅዱሳት ሰባት ትዀኑኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሐዞ ስጋ ኣይትብልዑነኽላባት ደርብይዎ