1. እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተንብሮ ፍርድታት እዚ እዩ፡

2. እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጻእ

3. በይኑ እንተ ዀይኑ ዝመጸበይኑ ይውጻእባዓል ሰበይቲ እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቱ ከኣ ምስኡ ትውዛእ

4. ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሀቦ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወለደትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኩኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ

5. እቲ ባርያ ግናጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ አሎኹ፡ ሓራ ኣይወጽእንእንተ በለ

6. ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕርቦ፡ እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ

7. ሰብጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፡ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዚወጹ ባሮት ኣይትውጻእ

8. ነታ ዘእተዋ ጐይታኣ ባህ እንተ ዘይበለቶሓራ የውጽኣያእንድሕሪ ጠለማ ኸኣ፡ ናብ ጓና ህዝቢ ኺሸጣ ኣይግብኦን

9. ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ድማ እቲ ነዋልድ ዚግባእ ይግበረላ

10. ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ

11. እዚ ሰለስተ ነገርዚ እንተ ዘይገበረላ ግና፡ ብኸምኡ ብዘይ ገንዘብ ሓራ ትውጻእ

12. እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት

13. ኣምላኽ ደኣ ኣብ ኢዱ ዘውደቖ እምበር፡ ዘይተጻናተዎ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ዚሀድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።

14. ሰብ ተተናዅሉ ንብጻዩ ብጕርሒ እንተ ቐተሎ ኸኣ፡ ኪመውት ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ

15. ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዔ ሞት ይሙት

16. ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበሞት ይሙት

17. ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት

18. ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ እቲ ሓደ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ዐሚኹ እንተ ወቕዖ፡ ግናኸ ከይሞተ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ

19. በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ንግዳም ኪወጽእ እንተ ኸኣለእቲ ዝወቕዖ ሓራ ውጹእ እዩ። ናይቲ ዘብኰሮ ግዜ ጥራይ ይኽሐሶፈጺሙ ኽሳዕ ዚሐዊ ኸኣ የፈውሶ

20. ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ባርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተቅጽዓት ይቀጻዕ

21. ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስኤ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ኣይቀጻዕ

22. ሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ

23. ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ

24. ኣብ ክንዲ ዓይኒዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪእግሪ

25. ኣብ ክንዲ ምንዳድምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥሕበጥ

26. ሰብ ዓይኒ እቲ ባርያኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርያኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፋኤካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ

27. ስኒ እቲ ባርያኡ ወይ ስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ

28. ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎስጋኡ ድማ ኣይበላዕእቲ በዓል ብዕራይ ግና ናጻ እዩ።

29. እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣስሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሐለዎንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ እቲ ዋናኡ ኸኣ ይሙት

30. ጋር ነፍሲ እንተ ደለይዎ ኸኣ፡ ከም ዝጸዐንዎ ጋር ነፍሱ ይሀብ

31. ንወዲ እንተ ወግኤ፡ ወይ ንጓል እንተ ወግኤ ኸኣ፡ ከምዚ ፍርዲ እዚ ይግበርዎ

32. ብዕራይ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ነንስተይቲ ባርያ እንተ ወግኤ፡ እቲ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ነቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።

33. ሰብ ጕድጓድ እንተ ከፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጕድጓድ እንተ ዀዐተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ

34. እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ክሒሱ የዕርፎ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን

35. ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራዩ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ምዉት ከኣ ይማቐልዎ

36. እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ዋናኡ እንተ ዘይሐለዎ ኣብ ክንዲ ብዕራይብዕራይ ይኽሐስ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።