1. በዚ ኸምዚ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ተወድኤሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዂሉ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ

2. ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊትማለት ጽዮንከደይብዎ፡ ናብ የሩሳሌም አከቦም

3. ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ተአከቡ

4. ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦታ ኣልዓልዎ

5. ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናት ሌዋውያን ኣደየብዎ።

6. ንጉስ ሰሎሞን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ

7. እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስቲ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ

8. እቶም ኪሩቤልሲ ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ኪሩቤል ንታቦትን ንመሰላታቱን ካብ ላዕሊ ኸደንዎ

9. ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ካብቲ ታቦት ክሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ አሎ።

10. ኣብቲ ታቦት ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት ገለ ኻልእ ኣይነበረን፡ እዚ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹኪዳን ዝአተወሉ ጊዜ ዀነ።

11. ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ - ብዘለዉ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናትሲ ነነየናይ ክፍሊ ምዃኖም ከይጥምቱ ባዕሎም ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡

12. እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ ካባታቶም መዘምራን ዝነበሩ ዂሎም፡ ኣሳፍሄማንየዱቱንደቆምን ኣሕዋቶምን ከኣ፡ ክዳን ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ለቢሶምጸናጽልን መሰንቆን በገናን ሒዞም፡ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው በሉ፡ ምሳታቶም ድማ መለኸት ዚነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናት

13. ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ኬመስግኑን ኪውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዐሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ

14. ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከኣሉን።