1. በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ዮያዳ ተብዔ እሞ፡ ነቶም ሓላቑ ሚእቲንዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማዔል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዚኽሪንወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣእተዎም።

2. ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ

3. ብዘሎ ማሕበር ድማ ምስቲ ንጉስ ኣብታ ቤት ኣምላኽ ኪዳን ኣተወ። ዮያዳ ኸኣ በሎም፡ እንሆ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት እተዛአቦወዲ ንጉስ ይንገስ

4. እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ ኣቱም ብሰንበት እትኣትዉ፡ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶኹም ሓለውቲ ደጌታት ይኹኑ።

5. ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ ንጉስሲሶውን ኣብ ደገ መሰረት ይኹን። ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ኣብቲ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን።

6. ግናኸ ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዜገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፡ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ፡ ይእተዉ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሐልዎ

7. እቶም ሌዋውያን ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ኸኣ ይሙት። እቲ ንጉስ ኪኣቱን ኪወጽእን ከሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።

8. እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ነቶም ክፍልታት ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ እቶም ሌዋውያንን ብዘለዉ ይሁዳን ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ዚኣትው ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም፡ ሰሰቦም ይወስድዎም ነበሩ።

9. ካህን ዮያዳ ድማ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝጸንሔ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን በብዓይነቱ ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም

10. ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት ጀሚሩ ኽሳዕ ጸጋማይ ወገን እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም

11. ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮያዳን ደቁን ከኣ ቀብእዎ እሞ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ

12. ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ነቲ ንጉስ እናጐየዩ ዚውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዔት፡ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት

13. እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ዓንዱ ደው ኢሉ፡ እቶም ሓላቑን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከኣ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርያ ሙዚክ ነቲ መዝሙር ምስጋና መርሑ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨርሔት

14. እቲ ኻህን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋንዚስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎበሎም

15. ኣግልስ ኣቢሎም ኣሕለፍዋ እሞ፡ ናብታ ናይ ናብ ቤተ ንጉስ እተእቱ ደገ ኣፍራስ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ

16. ዮያዳ ድማ፡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኪዀኑ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ ርእሱን ኣብ መንጎ ብዘሎ ህዝብን ንንጉስ ኪዳን ኣቘመ

17. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሐረድዎ

18. ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዖ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብሓጐስን ብመዝሙርን ዚሐርር መስዋእቲ እግዚኣብሄር ኬዕርጉ ንዝመደቦም ካህናትሌዋውያንዮያዳ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበሮም

19. ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ኣብተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ነቶም ሓለውቲ ኣቘሞም

20. ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ክቡራትን ነቶም ናይ ህዝቢ ስልጡናትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰዶም፡ ነቲ ንጉስ ድማ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶበታ ላዕይቲ ደገ ናብ ቤተ ንጉስ ኣትዮም ከኣ፡ ነቲ ንጉስ ዝፋን መንግስቲ ኣቐመጥዎ

21. ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሐጐሱ፡ እታ ኸተማውን ሀድኤትንዓታልያ ግና ብሴፍ ቀቲሎምዋ ነበሩ።